Fana: At a Speed of Life!

ዓውዲ ትራንስፖርት ነፈርቲ ቅልጡፍን ድሕንነቱ ዝተሓለወን ንምግባር ብትኹረት እናተሰርሐ ምዃኑ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ነሓሰ፣ 2016(ኤፍ ቢ ሲ)ኣወሃህባ ኣገልግሎት ዓወዲ ትራንስፖርት ነፈርቲ ስሉጥ፣ ዘተኣማምንን ድሕንነቱ ዝተሓለወ ንምግባር ብትኹረት እናተሰርሐ ከምዝኾነ በዓል መዚ ሲቪል ኣቪዬሽን ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ፡፡

ዋና ዳይሬክተር እቲ በዓል መዚ ጌታቸው መንግስቴ ከምዝበሉዎ÷ ዓውዲ ትራንስፖርት ነፈርቲ ኣብ ዕቤት ኢኮኖሚያዊ ምዕባለ እዛ ሃገር ርጉይ እጃም እናበርከተ ይርከብ፡፡

በዚ መዳይ ብብርኪ ኤርፖርት ተግባራዊ ዝግበሩ ዓለም ለኸ መለክዒታት እንተይተሸራረፉ ንምትግባር ዓም ሰብ ሞያ ምህናፅ ከምዘድሊ ኣብሪሆም።

ኣብ ዓውዲ ኣቪዬሽን ብብርኪ ዓለም ለኸ በሪኹ ንምርካብ ኣብ ውሽጢ ኤርፖርት ዝስርሑ ስራሕቲ ፅሬት ዘለዎምን ኣብ ዓማዊል ትኹረት ዝገበሩን ክኾኑ ከምዝግባእ እውን ምሕባሮም ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.