ዓውዲ ትምህርቲ ብቕዓት ብዘለዎ ሓይሊ ሰብ ንምህናፅ ከምዝሰርሑ ፕሮፌሰር ብርሃኑ ነጋ ገሊፆም
ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓውዲ ትምህርቲ ብቕዓት ብዘለዎ ሓይሊ ሰብ ንምህናፅ ትኹት ገይሮም ከምዝሰርሑ ሚኒስትር ትምህርቲ ፕሮፌሰር ብርሃኑ ነጋ ገሊፆም።
እቲ ሚኒሰስትር ምስ ኣመራርሓን ሰራሕተኛታትን እቲ ሚኒስቴር ቤት ዕዮ ኣብ ኣመራርሓ ለውጢ፣ ትካላዊ ስነ-ምግባር፣ ኣብ ኣወሃህባ ውሳነን ምርድዳእን ዘድሃ ስልጠና ይህብ ኣሎ፡፡
ፕሮፌሰር ብርሃኑ ኣብቲ ስልጠና ኣብ ዝገበሩዎ መደረ፥ ዓውዲ ትምህርቲ ንምምራሕ ብሞያ ጥራሕ ዘይኮነስ ብኣተሓሳስባ እውን ብቑዕ ምዃን ከምዘድሊ ኣገንዚቦም፡፡
ሰራሕተኛታት ሚኒስቴር ትምህርቲ ልዑል ሓላፍነት ምፍራይ ወለዶ ከምዘለዎም ተገንዚቦም፥ ስረሖም ብፅትን ብብቕዓትን ክዋፅኡ ከምዝግባእ እውን ገሊፆም፡፡
ሰራሕተኛ ዝሰርሐሉ ትካል ዝፈቱ፣ ስራሕቲ ኣኽቢሩ ዝሰርሕን ፍልጠቱ ኣብ ወረቐት ጥራሕ ዘይኮነስ ብተግባር ዝምዘን ክኸውን ይግባእ” ኢሎም።
ንክልተ መዓልቲ ኣብ ዝካየድ ስልጠና፥ ኣብ ዘፈር ትምህርቲ ውሽጢ ሃገርን ወፃኢን ልዑል ልምዲን ፍልጠትን ብዘለዎም ሰብ ሞያ እናተውሃበ ከምዝኾነ ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com