Fana: At a Speed of Life!

ዓውዲ ቱሪዝም ብምልማዕን ብምድንፋዕን ተረባሕነት ሕብረተሰብ ምርግጋፅ ይግባእ – ኣይተ እርስቱ ይርዳ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ክልል ደቡብ ብብዝሃ ሃፍቲ ኣብነት ክንዲምዃኑ ዘኣክል ካብ ዘፈር ቱሪዝም ብዝድለ መጠን ተረባሒ ስለዘይኮነ እቲ ዓውዲ ብምልማዕን ብምድንፋዕን ተረባሕነት ሕብረተሰብ ምርግጋፅ ከምዝግባእ ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣይተ እርስቱ ይርዳ ገሊፆም።

ሚኒስቴር ባህሊን ቱሪዝምን ምስ ክልል ደቡብ ኣብ ስትራቴጂካዊ ምሕዝነት ዘተኮረ መድረኽ ዘተ እናተኻየደ ይርከብ፡፡

ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክል ኣይተ እርስቱ ይርዳ ኣብቲ መድረኽ፥ ክልል ደቡብ ብብዝሃ ሃፍቲ ኣብነት ክንዲምዃኑ ዘኣክል ካብ ዘፈር ቱሪዝም ብዝድለ መጠን ተረባሒ ክኾን ከምዘይከኣለ ተዛሪቦም፡፡

ቱሪዝም ቅድም ክብል ትኹረት ዘይረኸበን ብዙሕ ቦታ ዘይተውሃቦን ከምዝነበረ ዝሓበሩ እቶም ርእሰ መምሕዳር፥ ብለውጢ መንግስቲ ሃገር በቆል ፖሊሲ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ዘለዋ ፀጋ ክትርኢ ኣለዋ ብዝብል ዓውዲ ቱሪዝም ምልማዕን ምድንፋዕን ተረባሒ ንምግባር እናተሰርሐ ይርከብ ኢሎም።

ሚኒስትር ቱሪዝም ኣምባሳደር ናኒሴ ጫሊ ብግደአን፥ ኣብ ኢትዮጵያ ዓውዲ ቱሪዝም ከምብሓዱሽ ምስተወደበ ዝተፈላለዩ ምምሕያሻት ፖሊሲ፣ ስትራቴጂክ ትልሚታት፣ ዝተፈላለዩ መምርሒታትን ደምቢታትን ከምዝተገበሩ ገሊፀን።

እቲ ክልል ንብዝሃ ሃፍቲ ቀንዲ መርኣያ ኢዩ ዝበላ እተን ሚኒስትር፥ ወናኒ ብዙሓት እንሳ ዘገዳም፣ ኣዕዋፍን መሰል ፀጋታት ቱሪዝምን ከምዝኾነ ምሕባረን ካብ ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ እቲ ክልል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.