Fana: At a Speed of Life!

ዓውዲ ሚዲያን ኮሙኒኬሽን ኣብ ህንፀት ሃገረ መንግስቲ እጃሙ ንከበርክት ምስራሕ ይግባእ ተባሂሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ዓውዲ ሚዲያን ኮሙኒኬሽን ኣብ ህንፀት ሃገረ መንግስትን ትካላትን እጃሙ ንከበርክት ምስራሕ ከምዝግባእ ተገሊፁ፡፡

“መሪሕ ያታ ንምህናፅ ውፅኢታዊ ሚዲያን ኮሙኒኬሽንን” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ንኮሙኒኬሽንን ኣመራርሓታት ሚዲያን ክልል ማእኸላዊ ኢትዮጵያ ስልጠና ዓቕሚ ህንፀት ኣብ ከተማ ወልቂጤ ይሳለጥ ኣሎ፡፡

ሓላፊ ሚኒስትር ዓውዲ ርክብ ህዝብን ዓለም ለኸን ፓርቲ ብልፅግናን ቢቂላ ሁሪሳ (ዶ/ር)ን ሓላፊ ጨንፈር ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ክልል ማእኸላዊ ኢትዮጵያ ዲላሞ ኦቶሬን (ዶ/ር )ን ሓዊሱ ካልኦት ሓለፍቲ ኣብቲ መድረኽ ተረኺቦም፡፡

እቲ ስልጠና ውፅኢታዊ ስርዓት ሚዲያን ኮሙኒኬሽንን ብምዝርጋሕ ኣብ ተበፃሕነት ሓበሬታ ሓበራዊ ምርድዳእ ኣብ ምፍጣር ልዑል ግደ ክህልዎ ኢዩ ተባሂሉ።

ንህዝቢ ኣብ ስራሕቲ ልምዓት ምልዕዓል ኣብ ምፍጣር እውን ሓጋዚ ከምዝኸውን ኣብ ኮሙኒኬሽን እቲ ክልል ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.