Fana: At a Speed of Life!

ዓውዲ ሕርሻ ዘበናዊ ምግባር ቀንዲ ትኹረት ኢዩ – ኣይተ ደመቀ መኮንን

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓውዲ ሕርሻ ዘበናዊ ምግባር ቀንዲ ትኹረት ከምዝኾነ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያ ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን ገሊፆም።

ኣይተ ደመቀ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝተኸፈተ ዓውደ ምርኢት ሕርሻን ሳይንስን እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ ፓመል ዘተ÷ ሕርሻ ኣድላዪ ክንድዝኾኖ መጠን ውፅኢት ክህብ ዝኽእል ብዝወሃቦ ትኹረት ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡

ብምዃኑ ሕርሻ ዘበና ክኸውን ምግባር ቀንዲ ትኹረት ከምዝኾነ ኣልዒሎም።

ሃገር ንምልዋጥ ይኹን ካልኦት ነገራት ንምዕዋት÷ እቲ ዓውዲ ክዝምን ምግባር ወሳኒ ከምዝኾነ ኣብቲ መድረኽ ገሊፆም፡፡

ከም ኣብነትት ድማ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ፍርያት ስርናይ ዝተሰርሐ ስራሕ ካባና ሓሊፉ ንካልኦት ኣብነት ክኸውን ዝኸኣለ ኢዩ” ኢሎም።

ሚኒስትር ሕርሻ ግርማ ኣመንቴ (ዶ/ር) ብግደኦም÷ ብቴክኖሎጂ ዘይተሓገዘ ስራሕቲ ሕርሻ ንምዝማን ዝተፈላለዩ ስራሕቲ እናተሰርሐ ከምዝርከብ ኣብሪሆም።

ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓማውቲ ንዓውዲ ሕርሻ ልዕሊ 36 ቢሊየን ብር ድጎማ ከምዝተገበረ ገሊፆም።

ብታሪኩ ለገሰን ሰሎሞን ይታየውን

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.