Fana: At a Speed of Life!

ዓወት ግድብ ህዳሰ ካብ ድኽነት ናብ ምዕባለ ናይ ምስጋር ትምሳሌት ኢዩ – ሃብታሙ ኢተፋ (ዶ/ር ኢ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጳጉሜን፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ኣብዚ ሕዚ እዋን ዝበፅሖ ብርኪ ዓወት ካብ ድኽነት ናብ ምዕባለ ናይ ምስጋር ተምሳሌት ኢዩ ክብሉ ሚኒስትር ማይን ኢነርጂን ሃብታሙ ኢተፋ (ዶ/ር ኢ/ር) ገሊፆም።

1 ጳጉሜን 1 2016 ዓ.ም እዚ ዓመት መዓልቲ ምሽጋር ብዝብል ስያመ “ናይ ምስጋር ጥሪታት፣ ዓቕሚ ዓዱሽ ብርሃን” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ይኽበር ኣሎ።

እቲ ስያመ ናይ ለውጢ መንግስቲ ንዕቤት ሃገርን ሓድነትን መሰረት ዝኾኑ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ፣ ሕርሻ፣ ቱሪዝምን መፍረዪ ኢንዱስትሪታትን ካብ ዝነበሮም ማሕለኻ ብምውፃእ ኢኮኖሚ ብዝበለፀ ከንቀሳቕሱ ብምጅማሮም ዝተውሃበ ከምዝኾነ ተሓቢሩ፡፡

ሃብታሙ ኢተፋ (ዶ/ር ኢ/ር) ከምዝገለፁዎ÷ ህንፀት ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያውያን ናይ ዘበናት ነስሓ መልሲ ዝረኸቡሉ ኢዩ።

ይኹን እምበር ኣብ ከይዲ ህንፀት እቲ ግድብ ዘጋጠመ ቅልውላው ኣመራርሓ ፕሮጀክት ሓደጋ ኣንፀላሊዩዎ ከምዝነበረ ኣዘኻኺሮም።

ድሕሪ ለውጢ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ መፅናዕቲ ዝተመሰረተ ቅልጡፍ ለውጢ ምምሕዳር ፕሮጀክት ብምግባሮም አቲ ግድብ ካብ ዝወደቖ ምድሓ ከምዝተኽኣለ ገሊፆም።

ብምዃኑ ኢትዮጵያውያን ካብ ድኽነት ናብ ምዕባለ፣ ካብ ፀልማት ናብ ብርሃን ዝተሰጋገሩሉ ሜጋ ፕሮጀክት ከምዝኾነ ንግዜኢ ገሊፆም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.