Fana: At a Speed of Life!

ዓወት ዝልካዕ ብተግባር እምበር ብዝውሰኑ ውሳነታት ኣይኮነን – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ ፣ 21 ሕዳር ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓወት ዝልካዕ ብተግባር እምበር ብዝውሰኑ ውሳነታት ኣይኮነን ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ገሊፆም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር÷ ኣብ ዱባይ እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ ጉባኤ ክሌማዊ ለውጢ መደረ ኣስሚዖም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ኣብ መደረኦም÷ ኢትዮጵያ ብኽለት ክሌማዊ ለውጢ ኣብ ምክልኻል ዘሰናደአቶ ሃገር በቆል መፍትሒ ኣብቲ መድረኽ ኣልዒሎም።

ብምዃኑ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ 2019 ጀሚሩ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ተግባራዊ እናገበረት ምፅንሓ ገሊፆም።

ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ድማ 130 ሺሕ ጣቢያታት መፈልፈሊ ፈልሲ ከምዝተጣየሹ ዝሓበሩ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ በቢዓመቱ ብሚሊየን ዝቑፀሩ ዜጋታት ፈልሲ ብምፍልፋል፣ ብምትካልን ብምክንኻንን ተሳትፎ ከምዝገበሩ ኣብሪሆም።

መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኢትዮጵያ÷ ማሕለኻታትን ክሌማዊ ለውጢን ማሕበረ ኢኮኖሚን ትህቦ ምላሽ ከምዝውክል እውን ተዛሪቦም።

እዚ መርሃ ግብሪ ምልቃቕ ካርበን ንምንካይ፣ ስነ ምህዳር ንምሕላውን ዕድል ስራሕ ንምፍጣርን ከም ቱሪዝም ዝበሉ ዓውዲታት ንምንቕቓሕ ከምዝሕግዝ ገሊፆም።

ኢትዮጵያ ኣብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር 32 ነጥቢ 5 ቢሊየን ፈልሲ ከምዝተኸለት ዝሓበሩ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2026 ድማ 15 ቢሊየን ናይ ምትካል ሃገራዊ ትልሚ ከምዘሎ እውን ኣብሪሆም።

እዚ እንትዛዘመ ድማ እቲ መርሃ ግብሪ ኣብ ዓለም ዝዓበየ ፕሮጀክት ልምዓት ደኒ ከምዝኸውን ገሊፆም።

“ክሌማዊ ለውጢ ዛዕባ ፖለቲካ ዓለም ካብ ዝኸውን ልዕሊ ሰለስተ ዓሰርተ ዓመታት ኣቑፂሩ” ክብሉ ኣመልኪቶም።

ውፅኢት ዘምፅእ ወሳኒ ናይ ተግባር ምንቕቓሕ ከምዘድሊን ዓወት ዝልካዕ ብተግባር እምበር ብዝውሰኑ ውሳነታት ከምዘይኮነን ኣገንዚቦም።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.