Fana: At a Speed of Life!

ዓወት ዓድዋ ዋና መሰረት ምንቅስቓስ ፓን ኣፍሪካኒዝም ኢዩ – ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ለካቲት ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)”ዓወት ዓድዋ ዋና መሰረት ምንቅስቓስ ፓን ኣፍሪካኒዝም ኢዩ” ክብላ ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ሳህለወርቅ ዘውዴ ገሊፀን።

ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ኣብ ኣደባባይ መስቀል እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ ኣከባብራ በዓል ዓወት ዓድዋ ተረኺበን ኣብ ዝገበረኦ መደረ፥ ዓወት ዓድዋ ብዙሕ ትርጉም ዘለዎ ከምዝኾነ ኣልዒሎም፡፡

ኣብቲ እዋን ዝነበሩ መራሒ ሃፀይ ሚኒሊክ ዝተመርሐ ጦርን ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝመፅኡ መራሕቲ ኲናት፣ ሓርበኛታትን ፃውዒት ክተት ዝተቐበሉን ዜጋታትን፥ ንኢትዮጵያውያ ክወርር ንዝመፅአ ፀላኢ ብምስዓር ንኢትዮጵያን ካብ ባእዳዊ ግዝኣት ኣድሒኖምዋ ኢዮም ኢለን፡፡

በዚ ድማ ዓወት ዓድዋ ኣብ ኣፍሪካ ባዕዳገዊ ግዝኣት ንምስፍሕፋሕ ብዝተትሓዘሉ ቀልጣፈ ከይቕፅል ብልዑል ብርኪ ዝገትአ ከምዝኾነ ኣብሪሀን፡፡

እቲ ዓወት ንምስረታ ዘመናዊት ኣፍሪካ ዓብዪ ኣስተዋፅኦ ዝገበረ ከምዝኾነን ንምንቅስቓስ ፓንኣፍሪካኒዝም ዋና መሰረት ከምዝኾነን ተዛሪበን፡፡

ኢትዮጵያ ኣብ ዝተወረረትሉ እዋን እውን ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም ዝርከቡ ፀለምቲ ናፅነቶም ከይንካእ ንምዝማት ዝተለዓሉሉ እዋን ከምዝነበረ እተን ፕሬዚዳንት ኣዘኻኺረን።

እተን ፕሬዚዳንት ካብዚ ብተወሳኺ፥ ዓወት ዓድዋ ኢትዮጵያዊን ኣፍሪካዊን ጥራሕ ኣይኮነን፤ ንናፅነት፣ ሉኣላዊነት፣ ጭቆናን ምንጋፍ ንዝቃለሱ ኩሎም ተምሳሌት ሓድነት፣ ምትሕብባርን ሰዓራይነትን ከምዝኾነ ገሊፀን፡፡

ዓድዋ ግደ ደቂ ኣንስትዮ ጎሊሁ ዝተርኣየሉ ብምዃኑ፥  ካሊእ ዘኹርዕ ምስሊ ከምዝኾነ እውን ገሊፀን።

ሓቢርካ ንምዕባይ መፍትሒ ምእላሽ፣ ህድኣት፣ ፀዋርነት፣ ምዝታይ፣ ምክብባር ከምኡ እውን ሓድነት ንፃዕሪ ህንፀት ሃገር ኣድላዪ ከምዝኾነ ኣገንዚበን፡፡

ብመሰረት ኣወቀ

#Ethiopia #Adwa #Victory

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.