Fana: At a Speed of Life!

ዓወት ዓድዋ ዋልታ ህብረ ብሄራዊ ሓድነትናን ውፅኢት ምትሕብባርናን ኢዩ – ኣገልግሎት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓወት ዓድዋ ዋልታ ህብረ ብሄራዊ ሓድነትናን ውፅኢት ምትሕብባርናን ኢዩ ክብል ኣገልግሎት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ ገሊፁ።

ኣገልግሎት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ፥ ፅባሕ ዝኽበር መበል 126 ዓመት በዓል ዓወት ዓድዋ ምኽንያት ብምግባር መግለፂ ኣውፂኡ።

ኣብ መግለፂኡ ድማ “ኣብዚ ሕዚ እዋን ዘለና ወለዶ ህብረ ብሄራዊ ሓድነታን ጋሻን ማእገርን ሉኣላዊነትናን ናጽነትናን ከምዝኾነ ብምግንዛብ ፍልፍል ጥንካረና ዝኾነ ህብረ ብሄራዊ ሓድነትና ክንሕሉ ይግባእ” ኢሉ።

ዓወት ዓድዋ ንኢትዮጵያውያን ኣብ ታሪኻዊ ዓውደ ኲናት ተዋጊኦም ንፀላኢ ናይ ምስዓር ጉዳይ ጥራሕ ኣይኮነን ዝበለ እቲ መግለፂ፥ እኳ ደኣስ ከይዲ ህንፀት ህብረ ብሄራዊ ሃገርን ጥንኩር ሉኣላውነትን ዝተረጋገፀሉ፤ ፍልፍል ሃገራዊ ኩርዓት ከምዝኾነ ኣብሪሁ፡፡

“ብእኹል ኩነታት ዘበናዊ ጦር መሳርሒ ዘይነበሮም ኢትዮጵያውያን ንወራሪ ሓይሊ ክስዕሩ ኢዮም ዝብል ሓሳብ ኣይን በር እምበር፤ ብዝተዓጠቑዎ ጦር መሳርሒን ብዝነበሮም ወታደራዊ ውዳበን ዘይኮነስ ብዝሰነቑዎ ወነን ኣይግዛእን በሃላይነትን ክሳብ ኣፍንጭኡ ተዓጢቑ ዝመፅ ወራሪ ብምስዓር ውርደት አሕንጊጦም ክምለስ ከምዝገበሩዎን እቲ ዓወት ዘይተለመደን ታሪኻዊ ክስተትን ኮይኑ ተመዝጊቡ ኢዩ” ኢሉ፡፡

ኣብ ኲናት ዓድዋ ኢትዮጵያውያን ምስዓሮም ንብዙሓት ምስጢር ይኹን እምበር ንኢትዮጵያውያን ግልጺ ኢዩ ነይሩ ዝበለ እቲ መግለፂ፥ ቀንዲ ዓወት ኢትዮጵያውያን ሓድነቶም፣ ደላዪ ናፅነትን ኣይግዛእን በሃላይነቶም ሃገራዊ ክብሮም ስለዝነበሩ ከምዝኾነ ኣገንዚቡ።

ኢትዮጵያ ብባዕዳውያን እንትትውረር ንሉኣላዊነትን ክብሪን ሃገር ንምቅላስ ዝተሰለፉ ኢትዮጵያውያን ካብ ሓደ ብሄር ጥራሕ ከምዘይኮነን ብባህሊ፣ ቋንቋቋ ሃይማኖት ዝተፈላለዩ ብዕላማ ግን ሓድነት ዝነበሮም ከምዝኾኑ እውን ገሊፁ።

“ዓወት ዓድዋ ባና ናፅነት ኣፍሪካውያን ብምዃን መቀፃፀሊት ቃልሲ ናፅነት ካብ ምዃኑ ንላዕሊ ኢትዮጵያ ተመሳሌት ፓን ኣፍሪካኒዝም ተገይራ ንኽትቁፀር ገይሩዋ ኢዩ” እውን ኢሉ፡፡

መበል 126 ዓመት በዓል ዓወት ዓድዋ እዚ ዓመት እንትነኽብር፥ ዓድዋ ሰዓራይነት ዓውደ ውግእ ምዝካር ጥራሕ ዘይኮነስ ዓድዋ ዘምፀኦም ክብሪታት ብምሕላው፣ ምስጢር ዓወታት  ህብረ ብሄራዊ ሓድነት ምዃኑ ብግቡእ ብምርዳ ክኸውን ከምዝግበኦ ኣገልግሎት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ኣገንዚቡ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.