ዓወት ዓድዋን ግድብ ህዳሰን ኢትዮጵያዊያን ብሓድነት ዘዐወትዎም ዘበን ተሳገርቲ ዓወታት ኢዮም – ሃብታሙ ኢተፋ (ዶ/ር ኢ/ር)
ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ዓወት ዓድዋን ግድብ ህዳሰን ኢትዮጵያዊያን ብሓድነት ዘዐወትዎም ዘበን ተሳገርቲ ዓወታት ኢዮም ክብሉ ሚኒስትር ማይን ኢነርጂን ሃብታሙ ኢተፋ (ዶ/ር ኢ/ር) ገሊፆም።
እቲ ግድብ፥ ኢትዮጵያውያን ሓድነት፣ ኣተሓሳስባ ኣይከኣልን ብምስዓር ብተግባር ዘረጋገፅዎ ንመፃኢ ትውልዲ ዝመሓላለፍ ዓብዪ ታሪክ ኢዩ ኢሎም።
መልላእ ኢትዮጵያዊያን ብሓበራዊ ርብርብ ዝዛዘምዎ ኣሰር እዚ ዘበን ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
ዓወት ዓድዋ እውን ኢትዮጵያዊያን ብሓባር ብምዃን ቃልሲ ፀረ ባዕዳዊ መግዛእቲ ብምግባር ንመልላእ ፀለምቲ ህዝብታት ዓለም አውን ኵርዓት ዝኾነ ዘበን ተሳጋሪ ዓወት ከምዝኾነ ገሊፆም።
ግድብ ህዳሰን ዓወት ዓድዋን ብዙሓት ዘመሳስልዎም ነገራት ከምዘለዉ ብምግላፅ፥ ዓድዋ ኢትዮጵያዊያን ብባዕልቶም ወነ፣ ጅግንነትን ህብረ ብሄራዊ ሓድነትን ዝሓፈስዊ ዓወት ከምዝኾነ ሓቢሮም።
ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ እውን ኢትዮጵያዊያን ብባዕልቶም ዓቕሚ ፋይናንስ ሓድነቶም ብምጥንኻር ዘዐወትዎ ዘበን ተሳጋሪ መርኣያ ዓወት ኢዩ ኢሎም ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ።