ዓወት ልምዓት ስርናይ ኢትዮጵያ ኣፍሪካ ብምግቢ ርእሳ ከምትኽእል መረጋገፂ ኢዩ – ፕሬዚዳንት ታዬ
ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ልምዓት ስርናይ ዘመዝገበቶ ዓወተት ኣፍሪካ ብምግቢ ርእሳ ከምትኽእል መረጋገፂ ኢዩ ክብሉ ፕሬዚዳንት ፌዲሪኢ ታዬ ኣፅቀ ስላሴ ገሊፆም።
ዓለም ለኸ ጉባኤ ልምዓት መስኖን ንክሌማዊ ለውጢ ዘይብዳህ መፍረያይነትን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ።
ኣብ መኽፈቲ እቲ ጉባኤ መደረ ዘስምዑ ፕሬዚዳንት ታዬ÷ ፀገም ክሌማዊ ለውጢን ውሕስና ምግቢን እናተጋደደ ከምዝኾነ ገሊፆም።
“ብኣመራርሓ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኢትዮጵያ ኣብ ኣፍሪካ ማሕብረሰብ ሓቆፍ ስግግር ልምዓት ሕርሻ እናመርሐት ትርከብ” ኢሎም።
ክሌማዊ ለውጢ ምፅዋር ኣብ ኣብ ግምት ዘእተዉ ስራሕቲ መፍረያይነት ምግቢ እናወገነት ከምትርከብ ብምሕባር፥ ንኣብነት እውን መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣልዒሎም።
በቲ መርሃ ግብሪ 40 ቢሊየን ፈልሲታት ብምትካሎም ጥራሕ ሽፋን ደኒ ካብ ምድንፋዕ ንላዕሊ ብኣትክልቲን ፍረምረን ብሚሊየን ንዝቑፀሩ ሰባት ውሕስና ምግቢ እናረጋገፁ ከምዝኾኑ ፀሪሖም።
እቲ ካሊእ ድማ ልምዓት ሕርሻን ኢኒሼቲቭ ልምዓት ስርናይን ከምዝኾነ ዝገለፁ እቶም ፕሬዚዳንት፥ በዚ ድማ ዝኣቱ ስርናይ ብምቁራፅ ጠለብ ፍርያት ስርናይ ብርእሰ ዓቕሚ ክተፍሪ ከምዝኸኣለት ገሊፆም።
ኣፍሪካውያን ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅ ንልምዓት መስኖ፣ ንኢንቨስትመንት ሕርሻ፣ ቴክኖሎጂን ፅሬት ሓበሬታን ትኹረት ንኽህቡ እውን ሓቲቶም።
ኣፍሪካውያን ብሓባር እንድሕር ሰሪሖም ጥሜት ምውጋድ፣ ክሌማዊ ለውጢ ብብቕዓት ምፅዋርን ጠለብ ምዕባለ ወለዶ ምዕዋት ከምዝኽእሉ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡