Fana: At a Speed of Life!

ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ 3 ኣዋርሕ 411 ጊጋ ዋት ሰዓት ኣፈልፊሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ቀዳማይ ርብዒ ዓመት በጀት 2015 ካብ ዝፈልፈለ ሓፈሻዊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ 10 ሚኢታዊ ኣስተዋፅኦ ከምዘበርከተ ቤት ፅሕፈት ፈፃሚ ስራሕ ኦፕሬሽን መፈልፈሊ ሓይሊታት ኣፍሊጡ።

መካየዲት ስራሕ ትልሚ እቲ ቤት ፅሕፈት ወይዘሮ ጥሩወር ሺፈራው ከምዝገለፀኦ÷ ኣብ ቀዳማይ ርብዒ ዓመት በጀት 2015 ካብ ዝፈልፈለ 4 ሺሕን 98 ሜጋ ዋት ሰዓት ሓይሊ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ 3 ኣዋርሕ 411 ጊጋ ዋት ሰዓት ኣፈልፊሉ፡፡

ኣብ ቀረባ እዋን ሓይሊ ምፍልፋል ዝጀመሩ ክልተ ተርባይናት ሕድሕዶም 375 ሜጋ ዋት ናይ ምፍልለፋል ዓቕሚ ዘለዎም እንትኾኑ÷ ኣብዚ ቀዳማይ ርብዒ በጀት ዓመት 411 ጊጋ ዋት ሰዓት ሓይሊ ብምፍልፋል ናብ ብሄራዊ ቋት ሓይሊ ከእቱ ከምዝኸኣለ ካብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.