Fana: At a Speed of Life!

ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ 10 ኣዋርሕ ልዕሊ 2 ሺሕን 700 ጊጋ ዋት ሰዓት ሓይሊ ኣፈልፊሊሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ 10 ኣዋርሕ ልዕሊ 2 ሺሕን 700 ጊጋ ዋት ሰዓት ሓይሊ ከምዘፈልፈለ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ፡፡

ብክልተ ተርባይናት ሓይሊ እናፈልፈለ ዝርከብ እቲ ግድብ÷ ኣብ ዝሓለፉ ኣሰርተ ኣዋርሕ ካብ ትልሚ 26 ሚኢታዊ ሓለፋ ዘለዎ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ከምዘፈልፈለ ተገሊፁ፡፡

በዚ ድማ 2 ሺሕን 152 ነጥቢ 8 ጊጋ ዋት ሰዓት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንምፍልፋል ተሓሲቡ 2 ሺሕን 711 ጊጋ ዋት ሰዓት ምፍልፋል ከምዝተኸኣለ ተሓቢሩ፡፡

እቲ ኣፈፃማ ንኽዕወት እቲ ግድብ ዝሐሸ ማይ ከምዝሓዘን ክልቲኦም ተርባይናት ብሙሉች ዓቕሞም ሓይሊ ከፈልፍሉ ከምዝተገበረን ተገሊፁ፡፡

ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተ ኣዋርሕ ብሓፈሻ ካብ ዝፈልፈለ 16 ሺሕን 900 ጊጋ ዋት ሰዓት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ 16 ሚኢታዊ ብፅሒት ከምዘለዎ እውን ተሓቢሩ፡፡

ፕሮጀክት እቲ ግድብ ሙሉእ ብሙሉእ እንትዛዘም 5 ሺሕን 150 ሜጋ ዋት ሓይሊ ናይ ምፍልፋል ዓቕሚ ዝህልዎ እንትኸውን÷ ዓመታዊ ፍርያት ሓይሊ እውን 15 ሺሕን 760 ጊጋ ዋት ሰዓት ክኸውን ኢዩ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.