ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ማእኸል ሓቃዊ ምትሕብባር ሃገራት ተፋሰስ ብምዃን ክቕፅል ኢዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ
ኣዲስ ኣበባ ፣ 15 ሓምለ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ካልኣይ ዙር ምምላእ ማይ ብዓወት ዝተዛዘመሉ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ማእኸል ሓቃዊ ምትሕብባር ሃገራት ተፋሰስ ብምዃን ክቕፅል ኢዩ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ገሊፆም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ብቋንቋ ዓረብኛ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ኢትዮጵያ ቅድም ኢላ ብዘቐመጠቶ ትልሚ መሰረት ኣብ መእተዊ ወርሒ ሓምለ ካልኣይ ዙር ምምላእ ማይ ግድብ ህዳሰ ብዘይ ምንም ዕንቅፋት ምዝዛማ ገሊፆም።
ክረምታዊ ዝናብ ስዒቡ ዝተፈፀመ እቲ ምምላእ ማይ፥ ኣብ ልዕሊ ታሕተዎት ሃገራት ተፋሰስ ፅዕንቶ ብዘይፈጥር መገዲ ብጥንቃቐ ምፍፃሙም ልዑል መጠን ዘለዎ ውሑጅ ምቁፅፃር ብዘኽእል መልክዑ ምፍፃሙን ንክግንዘባ ኣብ መልእኽቶም ሓቲቶም።
እቲ ካልኣይ ዙር ምምላእ ማይ ንቐፃሊ እውን እንተኾነ ኣብ ዝኾነት ትኹን ሃገር ታሕተዋይ ተፋሰስ ጉድኣት ከምዘየብፅሕ ኣገንዚቦም።
ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ማእኸል ሓቃዊ ምትሕብባር ሃገራት ተፋሰስ ብምዃን ክቕፅል ኢዩ አውን ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ኣበ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።