Fana: At a Speed of Life!

ዓቢዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ካብ መጥቀሚ ፖለቲካ ወፂኡ ናብ ሓይሊን መጥቀሚ ህዝቢን ንኽወርድ ዝገበረ ኣመራርሓ ፈጢሩ ኢዩ – ዶክተር ኣብርሃም

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓቢዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ካብ መጥቀሚ ፖለቲካ ወፂኡ ናብ ሓይሊን መጥቀሚ ህዝቢን ንኽወርድ ዝገበረ ኣመራርሓ ከምዝፈጠረ ሚኒስትር ምክልኻልን ኣካቢ ቦርድ ኣመራርሓ ስራሕ እቲ ግድብን ዶክተር ኣብርሃም በላይ ገሊፆም።

ዶክተር ኣብርሃም በላይ ኣብ መርሃ ግብሪ ምጅማር ፍልፍል ሓይሊ ግድብ ህዳሰ ኣብ ዘስምዑዎ መደረ ከምዝገለፁዎ፥ ፕሮጀክት ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ብቅብብል ኣመራርሓን ወለዶን ዝቐፀለን ኣብዚ ሕዚ እዋን ንውፅኢት ዝበቕዐን ፕሮጀክት ኢዩ፡፡

እቲ ፕሮጀክት ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዝተሓዋወሱ ፀገማት ዘጋጠሙዎ ይኹን እምበር፥ እዚ ኩሉ ፀገም ተፈቲሑ ነዚ ውፅኢት ንኽበቅዕ መዳርግቲ ኣካላት ብፍላይ ናይ ቀረባ ክትትል ንዝገበሩ ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ምስጋና ኣቕሪቦም፡፡

ኣብ ኢትዮጵያ በቢዓመቱ 13 ሚኢታዊ እናዓበየ ዝመፅአ ድሌት ሓይሊ ንምፍታሕ እቲ ፕሮጀክት ከምዝፈትሖ ተዛሪቦም፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.