Fana: At a Speed of Life!

ዓቕሚ ምፍራይ መፍረይቲ ኢንዱስትሪታት 60 ሚኢታዊ ከምዝበፅሐ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ መፍረይቲ ኢንዱስትሪታት ዝረኣዩ ማሕልኻታት ብምስታሕ  ዓቕሚ ምፍራየን 60 ሚኢታዊ ከምዝበፅሐ ኣባል ፈፃሚ ስራሕ ፓርቲ ብልፅግናን ሚኒስትር ኢንዱስትሪን መላኩ ኣለበል ገሊፆም።

እቶም ሚኒስትር፥ ኣብ ዝሓለፉ ናይ ለውጢ ዓማውቲ በድሆታት እተን ኢንዱስትሪታት ንምፍታሕን ተወዳደርቲ ንምግባርን ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ከምዝተሰርሑ ሓቢሮም።

እተን ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪታት ንሰደድ ወፃኢ ጥራሕ ዘይኮነስ ንዕዳጋ ውሽጢ ዓዲ መፍራይ ንክኽእላ ፖሊሲ ተነዲፎ ናብ ስራሕ ከምዝተኣተወ ኣብሪሆም።

ጎስጓስ ኢትዮጵያ ተፍሪ ኣብ ውሽጢ ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪታት ዘለዉ ፀገማት ብምፍታሕ ተወዳዳሪነተን ክብ ንክብል ርኡይ ኣስተዋፅኦ ከምዘበርከተ ሓቢሮም።

ኣብ ማኑፋክቸሪንግ ኢንዱስትሪ ኣጠቐቕማ ናይ ምፍራይ ዓቕሚ ምምሕያሽ ብምግባሩ ቅድሚ ለውጢ ናብ 46 ሚኢታዊ ወሪዱ ዝነበረ ዓቕሚ ምፍራይ ኣብዚ ሐዚ እዋን ናብ 60 ሚኢታዊ ምዕባይ ከምዝተኽኣለ መግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.