Fana: At a Speed of Life!

ዓቕሚ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ኣብ ምህናፅን ምዕባይ ተኣማኒነትን ቅድሚት ተዋሂብዎ ክስራሕ ከምዝግባእ ተገሊፁ 

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓቕሚ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ኣብ ምህናፅን ምዕባይ ተኣማኒነትን ቅድሚት ተዋሂብዎ ክስራሕ ከምዝግባእ ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ልምዓት ሰብ ሃፍቲ፣ ምውፋር ስራሕን ቴክኖሎጂን ኣተሓሳሲቡ።

እቲ ቀዋሚ ኮሚቴ ኣብ 2013 ዓ.ም ሃገር ለኸ ውፅኢት ፈተና 12 ክፍሊ እመልኪቱ ምስ መዳርግቲ ኣካላት ዘትዩ።

ኣካቢ እቲ ቀዋሚ ኮሚቴ ዶክተር ነገሪ ሌንጮ÷ ላዕለዎት ትካት ትምህርቲ ንዕቤት ሃገር መሰረት ዝኾኑ ፖሊስታትን ስትራቴጂታትን ዝፍልፍልሉ፣ መፃኢ ዕድል ሃገር ዝውስኑ ወለዶታት ዝቕረፅሉ ብምዃኑ፤ ዓቕሚ እቲ ትካል ኣብ ምህናፅን ተኣማኒነት ኣብ ምዕባይን ቅድሚት ተዋሂብዎ ክስርሐሉ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።

ምኽትል ኣካቢ እቲ ቀዋሚ ኮሚቴ ዶክተር ከይረዲን ተዘራ ብወገኖ÷ ጨንፈር ትምህርቲ ካብ ፖለቲካዊ ኣረኣእያ ምንፃልን ናይዘን ትካላት ተኣማኒነት ንምሽርሻር ዝግበሩ ምንቅስቓሳት ግቡኣት ዘይምዃኖምን ተዛሪቦም።

ኣብ ቀዳማይ ዙር ካብ ዝተውሀቡ ዓይነታት ትምህርቲ ፈተና ሲቪክስ ከምዝወፀ ዘርእዩ መእመንቲ ሓበሬታታት ምቕራቦም ስዒቡ ውፅኢት ሲቪክስ ካብ መወዳደሪ ነጥቢ መእተዊ ዩኒቨርሲቲ ንኽስረዝ ምውሳኑ፤ ሚኒስትር ዴኤታ ላዕለዎት ዓውዲ ትምህርቲ ዶክተር ሳሙኤል ክፍሌ ገሊፆም።

ኣብ ፈተና እርማትን ኣወሃህባ ውፅኢትን ቅሬታ ዘለዎ ዝኾነ ኣካል እቲ ከይዲ ንምፍታሽን ንምርግጋፅን እንተደልዩ ሐዚውን ምትእንጋድን ከምኡ ውን ግልፅነት ምፍጣር ከምዝካኣል ሚኒስትር ዴኤታ ሓፈሻዊ ዓውዲ ትምህርቲ  ዶክተር ፋንታ ማንደፍሮ ምግላፆም ካብቲ ባይቶ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመልኽት።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.