ዓስራይ ዓለም ለኸ መድረኽ መፅናዕቲ ኣካዳሚ ቋንቋታት ትግራይ ኣብ ከተማ መቐለ ክሳለጥ ኢዩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓስራይ ዓለም ለኸ መድረኽ መፅናዕቲ ኣካዳሚ ቋንቋታት ትግራይ ኣብ ከተማ መቐለ ከም ዝሳለጥ ኣካዳሚ ቋንቋታት ትግራይ ኣፍሊጡ።
ዋና ዳይሬክተር እቲ ኣካዳሚ ዳኒኤል ተኽሉ (ዶክተር)፥ እቲ ዓለም ለኸ መፅናዕቲ ካብ 9 ክሳብ 10 ጉንበት 2016 ዓ.ም ን2ይ ግዘ ከምዝሳለጥ ገሊፆም።
ኣብቲ መድረኽ 20 ዝተፈላለዩ መፅናዕትታት ብቋንቋታት ሳሆ፣ ኩናማ፣ ትግርኛን ግእዝን ከምዝቐርብ ብምግላፅ፥ ኣብ ስነ-ልሳን፣ ስነ-ፅሑፍ፣ ፎክለር፣ ስነ-ቃላት መሰረት ገይሮም ብዝተፈላለዩ ምሁራት ከምዝቐርቡ ሓቢሮም።
ቋንቋ ግእዝ ኣብ ኣዝዩ ዝማዕበለ ብርኪ ስነ-ፅሑፍ በፂሑ ምንባሩ ዝሓበሩ እቶም ዋና ዳይሬክተር፥ ሕዚ ድማ ኣብ ሓደ እምነት ተንጠልጢሉ ኣሎ ዶ ሞተ ኣብ ዝበሃለሉ ግዘ ኣለና ኢሎም።
ግእዝ ምስ ህዝቢ ትግራይ ስጡም ብሄራዊ፣ ማሕበራዊ፣ ባህላዊ ርክብ ከምዘለዎ እውን ገሊፆም።
ነዚ ድማ “ናይ ቀደም ፅሑፋት ግእዝ ክንግንፅል ከለና ታሪኽና፣ መንነትነና፣ እምነትና፣ ባህልና፣ ሓድግታትናን መበቆላውያን ፍልጠታትናን እውን ኣብኡ ኢና ንረክብ” ኢሎም።
ስለዝኾነ ኣብ ገድሊ ቅዱሳትን ሰማእታትን መሰረት ዝገበሩ ብርክት ዝበሉ ትንታነታት ዝህቡ መፅናዕትታት ኣካል እቲ ዓውደ መፅናዕቲ ኮይኖም ከምዝተዳለዉ ኣረዲኦም።
ባህሊ ምስ ስፖርት፣ ፖለቲካዊ ባህሊ ትግራይ፣ ባህልን ቁጠባ ትግራይ፣ ኣብ ቋንቋታት ትግራይን ህዝቢ ትግራይን ዘሎ ርክብ፣ መበቆል፣ ከይዲ ስነ-ስርዓት መርዓ ብሄረሰብ ኩናማ ዝብሉን ካልኦትን እውን ኣብቲ መፅናዕቲ ክቐርቡ ትፅቢት ይግበር ምባሎም ኣብ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።