Fana: At a Speed of Life!

ዓረሰ ምሕደራ ዩኒቨርሲትታት ዝድንግግ ረቂቕ ኣዋጅ ናፅነት ምስ ተሓታትነት ዘዕስል ተገይሩ ከምዝሰናዳእ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓረሰ ምሕደራ ዩኒቨርሲትታት ዝድንግግ ረቂቕ ኣዋጅ ናፅነት ምስ ተሓታትነት ዘዕስል ከምዝኸውን ኣብ ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ጉዳያት ቴክኖሎጂ ስራሕ ወፍሪ ሓይሊ ሰብ ዋና ሰብሳቢ ቀዋሚ ኮሚቴ  ዶክተር ነገሪ ሌንጮ ገሊፆም፡፡

ዓረሰ ምሕደራ ዩኒቨርሲትታት ዝድንግግ ረቂቕ ኣዋጅ ብዝምልከት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ምስ ፕሬዜዳንትታት ዩኒቨርስቲ መድረኽ ዘተ ምትእኽኻብ እታወት ተኻይዱ ፡፡

ኣካቢ ቀዋሚ ኮሚቴ  ዶክተር ነገሪ ሌንጮ ኣብቲ እዋን ከምዝገለፅዎ÷ ኣብ ምህናፅ ሃገር ሙሁራት ናይ መሪሕነት እጃም ክዋፅኡ ይግባእ፡፡

ዩኒቨርሲትታት ፅሬት ትምህርቲ ኣብ ምርግጋፅን ንኢትዮጵያ ናብ ብራኸ ዘሰጋግር ወለዶ ኣብ ምፍራይን ብትኹረት ንኽሰርሑ ኣተሓሳሲቦም፡፡

ብብርኪ ረቅቕ ዘሎ ኣዋጅ÷ ናፅነት ምስ ተሓታትነት ዘዕስል ንክኸውን ከምዝተዳለወ ኣመላኺቶም፡፡

ኣካቢ ቦርድ ዘተ መድረኽ ዩኒቨርስትታት መንግስቲ ጣሰው ወልደሃና ብወገኖም÷ ዩኒቨርሲትታት ዓረሰ ምሕደራ ክገብራ ይግባእ፤ እተን ትካላት እውን  ናፅነታዊ ምሕደራ ክህልወን ከምዝግበእ ተዛሪቦም ፡፡

ሕዚ ወፂኡ ዘሎ መምርሒ÷ ኣሰራርሓ ሲቪል ሰርቪስ ዩኒቨርስታት ንትምህርትን ትካላዊ ነፃነትን ምቹው ኩነታት ከምዘይፈጥር እውን ገሊፆም፡፡

ዩኒቨርስታት ብምርምር፣ ትምህርቲን ለውጢ ሕብረተሰብን ብቑዓት ኮይነን ንኽወፅኣ ናይ ምሕደራ ናፅነት መሰረት ከምዝኾነ ኣመልኪቶም፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.