Fana: At a Speed of Life!

ዓሚቕ ሃገራዊ ዕቤት ኢኮኖሚ እዚ በጀት ዓመት 7 ነጥቢ 9 ሚኢታዊ ንኽኸውን ክስራሕ ኢዩ -ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓሚቕ ሃገራዊ ዕቤት ኢኮኖሚ እዚ በጀት ዓመት 7 ነጥቢ 9 ሚኢታዊ ንኽኸውን ኣብ ኩሎም ዓውዲታት ኢኮኖሚ ብዕቱብ ከምዝስራሕ ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ገሊፀን።

እተን ፕሬዚዳንት ኣንፈት ትኹረት በጀት ዓመት 2016 መንግስቲ ኣመልኪተን ኣብ ዝሃበኦ መበርሂ÷ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጅምር ውፅኢት ዝተረኣየሉ ቃልሲ ፀረ ሌብነት ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣብሪሀን፡፡

ኣነብ ግልጋሎት ወሃብቲ ትካላት ዝረአ ፀገም ሰናይ ምምሕዳር ንምፍታሕ ስራሕቲ ምምሕያሽ ሲቪል ሰርቪስ ተጠናኺሩ ከምዝቕጥል ኣስሚረናሉ፡፡

ኣብ ዘፈር ሕርሻ ዝተረኣየ መፍረያይነት ክቕፅል ብምግባር ልዕሊ 22 ነጥቢ 1 ሚሊየን ሄክታር መሬት ንምልማዕ ከምዝተሓሰበ ሓቢረን፡፡

ካብዚ ድማ 810 ሚሊየን ኩንታል ፍርያት ንምርካብ ብምውዳድ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ኣብ መብርሂአን ኣልዒለን፡፡

ኣተኣኻኽባ እቶት መንግስቲ ንምድንፋዕ ኣብዚ ዓመት ካብ ታክስ ኣታዊ 441 ቢሊየን ብር ንምእካብ ከምዝተሃቀነ ገሊፀን፡፡

ፈታኒ ዝኾነ ዝቕባበ ዋጋ ንምንካይ ጥቡቕ ፖሊሲ ፊስካልን ገንዘብን ከምዝትግበር ኣፍሊጠን፡፡

ኣብ ዝቕፅሉ 3 ዓመታት 9 ነጥቢ 15 ሚሊየን ንዝኾኑ ዜጋታት ዕድል ስራሕ ንምፍጣር ከምዝስራሕ ዝገለፃ እተን ፕሬዚዳንት÷ “ኣብዚ በጀት ዓመት ድማ ን3 ነጥቢ 5 ሚሊየን ዜጋታት ዕድል ስራሕ ንምፍጣር ክስራሕ ኢዩ” ኢለን፡፡

500 ሺሕ ንዝኾኑ ዜጋታት ድማ ኣብ ሓሙሽተ ሃገራት ዕድል ምውፋር ስራሕ ወፃኢ ንመሃብ ብዕቱብ ከምዝስራሕ ኣብሪሀን፡፡

ብመላኩ ገድፍ

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.