Fana: At a Speed of Life!

ዓመታዊ ጉባኤ መርሃ ግብሪ ልምዓት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓመታዊ ጉባኤ መርሃ ግብሪ ልምዓት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይሳለጥ ኣሎ።

ኣብቲ መድረኽ ሚኒስትር ፕላንን ልምዓትን ፍፁም ኣሰፋ ሓፈሻዊ እዋናዊ ኩነታት ኢኮኖሚን ኩለመዳይ ዓወታትን ማሕለኻታት ልምዓትን ኢትዮጵያን ኣብሪሀን።

ብምዃኑ መንግስቲ መሪሕ ትልሚ ልምዓት 10 ዓመት ኣውፂኡ እናተንቀሳቐሰ ከምዝኾነን ኣብዓውዲታት ልምዓት ኢንዱስትሪ፣ ኢንቨስትመንት፣ ንግዲ፣ ሕርሻን ካልኦትን ሰፋሕቲ ስራሕቲ ከምዝተሰርሑ ገሊፀን።

ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2019 ተግባራዊ ምዃን ዝጀመረ መመሓየሺ ሃገር በቆል ኢኮኖሚ ውፅታዊ ዝላ እናተመዝገበሉ ከምዝኾነ እውን ኣብሪሀን።

ኣብ ዘፈራት ትምህርቲ፣ ጥዕና፣ ኢንፎርሜሽን ኮሙዩኒኬሽን ቴክኖሎጂን ኢኖቨቬሽንን ብዙሓት ለውጢታት ከምዝተመዝገበ እውን ተዛሪበን።

ተወካሊ መርሃ ግብሪ ትካል ልምዓት ውድብ ሕቡራት መንግታት ቱሩሃን ሳልህ÷ ኣብ ኢትዮጵያ እናተሰርሑ ዝርከቡ ኢኮኖሚያዊን ኩለመዳይ ሪፎርምታትን ዝበረታትዑ ከምዝኾኑ ፀሪሖም።

ትካል መርሃ ግብሪ ልምዓት ውሕመ ነቲ ሪፎርም ብምሕጋዝ ናይ ባዕሉ ግደ ከምዝዋፃእ እውን ኣብሪሆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.