Fana: At a Speed of Life!

ዓመታዊ ክብረ-በዓል ቁልቢ ገብርኤል ብሰላም ተዛዚሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓመታዊ ክብረ-በዓል ቁልቢ ገብርኤል ብሰላም ከምዝተዛዘመ ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ፀፅታን ድሕንነትን ኣፍሊጡ።

ኣካላት ምምሕዳር፣ ኣቦታት ሃይማኖትን ሕብረተሰብ እቲ ከባቢን ብምውዳድ ብዝሰርሑዎ ስራሕ ምኽባር ፀፅታ÷ እቲ በዓል ብሰላም ከምዝተዛዘመ ካብ ፖሊስ ፌዴራል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እቲ ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ÷ በዓል ቁልቢ ገብርኤል ብሰላም ተኸቢሩ ንኽዛዘም ኣብ ጎኒ ኣካላት ፀፀታ ብምዃን ሓገዝ ንዝገበሩ ክፋላት ሕብረተሰብ ምስጋና ኣቕሪቡ፡፡

ብተመሳሳሊ ኣብ ሃዋሳ ዝተኸበረ ዓመታዊ በዓል ቅዱስ ገብርኤል ብሰላም ከምዝተዛዘመ ኮሚሽነር ኮሚሽን  ፖሊስ ክልል ሲዳማ ሽመልስ ቶማስ ተዛሪቦም፡፡

እቲ በዓል ሰላማዊ ኮይኑ ንኽዛዘም ኣስተዋፅኦ ንዘበርከቱ ኣካላት እውን ምስጋና ኣቕሪቦም፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.