Fana: At a Speed of Life!

ዓለም ፀኒዓ ጠጠው ክትብል ዝኸኣለት ንኻልኦት ብዝግበር ሰናይ ተግባር ኢዩ – ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 1 ጳጉሜን፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓለም ፀኒዓ ጠጠው ክትብል ዝኸኣለት ንኻልኦት ብዝግበር ሰናይ ተግባር ኢዩ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ገሊፆም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፥ “ገንዘብና፣ ፍልጠትናን ጉልበትናን ኣንዘድልዮም ወገናት ካብ ምውዓል ንላዕሊ መግለፂ ምፍታው ሃገር የለን” ኢሎም።

ድሕሪ ለውጢ ኣብ ማሕበራዊ ሓላፍነት ማሕበራዊ ፀገማት ምፍታሕ ከም መምርሒ ምትግባሩ ኣልዒሎም።

ስለዝኾነ ድማ ምክፋል መኣዲ፣ ትሑት ኣታዊ ዘለዎም ምስራሕ መነበሪ ገዛ ዜጋታት፣ ምህናፅ ኣቢያተ ትምህርቲን ትካላት ጥዕናን፣ ምሕራስ ናይ ዝተፀገሙ ሓረስቶት ግራውቲን ከባቢ ሓምለዋይ ምግባርን ከም ባህሊ ንኽውሰዱ ከምዝተሰርሐ ኣዘኻኺሮም።

ሚሊየናት ናይዚ ተሳተፍቲ ኮይኖም ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚነሲትር፥ ካብ ህፃናት ክሳብ ኣረጋውያን ባህሎም ከመዝገበሩዎ እውን ኣፍሊጦም።

ኣብዚ ዓመት ብዝተገበሩ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ንዝተሳተፉ ኩሎም ኣካላት ብሽሞምን መንግስቲን ምስጋና ኣቕሪቦም።

“እቲ ኣገልግሎት ዝረኸቡ ወገናት ከምዝምርቑናን ከምዝፅልዩልናን የኣምን” ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ “ኢትዮጵያና በዞም ወገናት ምርቓትን ፀሎትን ፈተናታት ስዒራ ከምትጓዓዝ ርግፀኛ እየ” ኢሎም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.