Fana: At a Speed of Life!

ዓለም ለኸ ጉባዔታት ኣብ ኢትዮጵያ ምክያዶም ሰፊሕ ዕድል ዝፈጥር ኢዩ – ዶ/ር በለጠ ሞላ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓለም ለኸ ጉባዔታት ኣብ ኢትዮጵያ ምክያዶም ሃገራት ናብ ኢትዮጵያንኽመፅኣ ሰፊሕ ዕድል ዝፈጥር ከምዝኾነ ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ዶክተር በለጠ ሞላ ገሊፆም።

ዓለም ለኸ ሕብረት ቴሌኮሙኒኬሽን ሰለስተ ዝተፈላለዩ ጉባኤታት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንምክያድ ዳይሬክተር ኣፍሪካ እቲ ትካል ኣን-ራቸል ኣኔን ንሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ሕቶ ኣቕሪበን፡፡

ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ዶክተር በለጠ ሞላ÷ ዓለም ለኸ ጉባዔታት ኣብ ኢትዮጵያ ምክያዶም ኣብ ዕቤት ሃገር፣ ህንፀት ምስሊን ኮንፈረንስ ቱሪዝምን ርኡይ ግደ ከምዘለዎምን ሃገራት ዓለም ናብ ኢትዮጵያ ንኽመፅኡ ዕድል ከምዝፈጥርብ ኣብሪሆም፡፡

ኣብዚ ሕዚ እዋን ዕድላት ኮንፈረንስ ናብ ኢትዮጵያ ንምምፃእ ኣመራርሓታት እቲ ሕብረት ኢትዮጵያ ተመራፂት ብምግባሮምን ድሌቶም ብምግላፆምን እውን ንኢዶም።

ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ዘተኣናገደቶ መበል 17 ዓለም ለኸ ጉባኤ ምሕደራ መርበብ ሓበሬታ ዕዉት ከምዝነበረ ዝሓበሩ እቶም ሚኒስትር፥ “ኣብ ቀፃሊ ናብ ኢትዮጵያ ዝመፅኡ ዕድላት ኮንፈረንስ ብምቕባል ብዕዉት ኩነታት ንምትእንጋድ ድሉዋት ኢና ኢሎም።

ዳይሬክተር ኣን-ራቸል ኢንኔ ብግደአን÷ ኢትዮጵያ ዘተኣናገደቶን ብዓወት ዝዛዘመቶን መበል 17 ዓለም ለኸ ጉባኤ ምሕደራ መርበብ ሓበሬታ ናእዳን ምስጋናን ምቕራበን ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.