ዓለም ለኸ ጉባኤ ምርምር ምልክት ቋንቋ ይካየድ ኣሎ
ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ኣፍሪካ ንፈለማ እዋን ዝካየድ ዓለም ለኸ ጉባኤ ምርምር ምልክት ቋንቋ ተተኣናግድ ኣላ፡፡
እቲ ጉባኤ ሎሚ ዘበን እናተኻየደ ዝርከብ ንመበል 15 ግዘ ከምዝኾነ ካብ ሚኒስቴር ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመላኽት፡፡
መሪሕ ሓሳብ ናይዚ ዓመት ጉባኤ “ምልክት ቋንቋ ምጥቃም ንዝመፅእ ዘበን፤ መፃኢ ዘበን ምልክት ቋንቋ ብምጥቃም” ዝብል ኢዩ፡፡