ዓለም ለኸ ጉባኤ መስኖን ንክሌማዊ ለውጢ ዘይብዳህ መፍረያይነትን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ ኢዩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ቀዳማይ ዓለም ለኸ ጉባኤ መስኖን ንክሌማዊ ለውጢ ዘይብዳህ መፍረያይነትን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝካየድ ተገሊፁ።
ካብ 5 ክሳብ 7 ለካቲት 2017 ዓ.ም ኣብ ዝካየድ ጉባኤ÷ መራሕቲ ዓለም ለኸን ኣህጉርን መዳርግቲ ኣካላት እቲ ዓውዲ ዝሳተፉሉ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።
ሚኒስትር መስኖን ቆላማ ከባቢን ኣብርሃም በላይ (ዶ/ር) ኣብ መጀመሪ መርሃ ግብሪ ብሄራዊ ኮሚቴ መተሓባበሪ እቲ ኮንፍረን ኣብ ዝገበሩዎ መደረ÷ ኣብቲ ጉባኤ ኢትዮጵያ ኣብ ልምዓት መስኖ ልምዲን ተሞክሮን ከምዝቐርብ ገሊፆም።
ኢትዮጵያ ኣጉራዊን ዓለም ለኸን ጉባኤታት ብዕት መልክዑ ብምትእንጋድ ተመራፂት ምዃና ብምሕባር፤ እቲ ናይ ሕዚ ጉባኤ ዕዉት ንኽኸውን እውን ካብ ብሕዚኡ ምድላው እናተገበረ ከምዝኾነ ምርግጋፆም ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡