Fana: At a Speed of Life!

ዓለም ለኸ ዓውደ-ምርኢትን ሲምፖዚየምን ካብ ድሕሪ ፅባሕ ጀሚሩ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ግንቦት ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓለም ለኸ ዓውደ-ምርኢትን ሲምፖዚየምን ካብ ድሕሪ ፅባሕ 22 ክሳብ 24 ግንቦት 2016 ዓ.ም ኣብ ኢትዮጵያ ንካልኣይ ግዘ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሚሊኒየም ኣዳራሽ ከምዝካየድ ተገሊፁ።

“ኢትዮጵያ ንህነፅ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ዝተሰናደአ ዓለም ለኸ ዓውደ-ምርኢትን ሲምፖዚየምን ቢግ 5 ኮንስትራክት ኢትዮጵያ÷ ልምዓት፣ ምዕባለን ዓወትን ኢንዱስትሪ ህንፀት ናብ ዝሐሸ ብርኪ ንምብፃሕ ዘኽእል ከምዝኾነ ሚኒስትር ከተማን መሰረተ-ልምዓትን ጫልቱ ሳኒ ተዛሪበን፡፡

ማሕለኻታት ፈሊጥካ ፀገማት ናብ ዕድል ንምልዋጥ፣ ሓገዝ ፋይናንስ፣ ዕውቀትን ቴክኖሎጂን ንምርካብ ከምዝሕግዝ እውን ኣብሪሀን፡፡

ካብ ምዝማን ህንፀት ክሳብ ኣገልግሎት ዘሎ ከይዲ ኣብ ምዕባይ ስማርት ሲቲ ንምህናፅ ዘኽእል ልምዲን ፍልጠትን ዝርከበሉ ከምዝኾነ ምግላፀን ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ተቀዳሚ ምክትል ፕሬዚዳንት ዓለም ለኸ ዲኤምጂ ኢቨንትስ ቤን ግሪንሽ ብደኦም÷ እቲ ዓውደ-ምርኢትን ሲምፖዚየምን ኣብ ኢትዮጵያ ምክያዱ ንዕቤት ዓውዲ ህንፀት ናይ ዕዳጋ ዕድል ከምዘምፅእን እዚ ድማ ዘላቒ ዕቤት ልምዓት ዘረጋግፅ ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.