Fana: At a Speed of Life!

ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ህወሓት እናፈፀሞ ዝርከብ ተግባር ግብረ ራዕዲ ክኹንንነ ይግባእ – ኣምባሳደር ሬድዋን

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ዲኤታ ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን ምስ ኣምባሳደር ዴንማርክ ኣብ ኢትዮጵያ ኪራ ስሚዝ እብ ክልተኣዊን እዋናዊን ጉዳያት እድሂቦም ተዛቲዮም።

ኣብቲ ዘተ ኢትዮጵያ ኣብዚ ሕዚ እዋን ዘጋጠማ ፀገም ቀንዲ ተሓታቲ ህወሓት ከምዝኾነ ኣምባሳደር ሬድዋን ኣብሪሆም።

ኣብ ዝተወዝዑ ሓበሬታታት ተደሪኾም ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ግቡእ ዘይኮነ ፅዕንቶእናፈጠሩ ዝርከቡ ኣካላት ሓቁ ብምርዳእ ኣካይደአን ጠጠው ኢለን ክፍትሻ ከምዝግባእ ተዛሪቦም፡፡

ኣምሳደር ሬድዋን ኣብ መብርሂኦም፥ ናይ ሕሶት ፕሮፓጋንዳ ህወሓት ካብ ምስማዕ ተዓቂቡ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ክምርምር ከምዘለዎ ኣገንዚቦም።

ኣምባሳደር ዴንማርክ ኣብ ኢትዮጵያ ኪራ ስሚዝ ብግደአን፥ ዴንማርክ ምስ ኢትዮጵያ ንዘበናት ዝዘለቐ ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ከምዘለዋ ብምሕባር፤ ሃገረን ንፕሮጀክታት ልምዓት ኢትዮጵያ ድጋፍ እናገበረት ከምዝኾነት ገሊፀን።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ብዝተፈጠረ ናዕቢ ንፀገም ዝተቓልዑ ዜጋታት ሰብኣዊ ሓገዝ ክበፅሖም ንምግባር ምስራሕ ከምዝግባእ ምሕባረን ካብ ቤት ፅሕፈት ኣቐባሊ ቃል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.