Fana: At a Speed of Life!

ዓለም ለኸ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ “ትኽሊ ኢኺ” ብዝብል መሪሕ ቃል ኣብ ኣደባባይ ወዳጅነት ተኸቢሩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 29 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓለም ለኸ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ “ትኽሊ ኢኺ” ብዝብል መሪሕ ቃል ኣብ ኣደባባይ ወዳጅነት ተኸቢሩ።

ምክትል ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ፥ እቲ ዕለት ፆታ መሰረት ዝገበሩ በደላት ጠጠው ንኽብሉ ዝስረሐሉ፣ ደቂ ተባዕትዮ ኣተሓሳሳባይነት እቲ ፀገም ተረዲኦም ሓገዞም ብተግባር ዝርእዩሉ ኢዩ ኢለን፡፡

ካብዚ ሓሊፉ ድማ ሚዛን ዝሰሓተ ኣድልዎ ፆታ ብቆራፅነት ንምውጋእ ዘኽእል ሜላ ዝሕንፀፀሉን ንተግባራዊነቱ ብትግሃት ዝስረሐሉ፣ ካልኦት መዳርግቲ ኣካላት እውን ኣካል መፍትሒ ዝኾኑሉ፣ ካብ ምዝራብ ሓሊፉ ተግባርዊ ውፅኢት ዝምዝገበሉ ክኸውን ከምዝግባእ እውን ኣገንዚበን፡፡

ኣብ 6ይ ሃገራዊ መረፃ ደቂ ኣንስትዮ ክሳተፋዘለወን፥ ብድምፀን ንምምራፅ ጥራሕ ዘይኮነስ ምስ ደቂ ተባዕቲዮ ማዕረ ቁፅሪ ሒዘን ንኸምርፃን ተመረፅቲ ኮይነን እውን ሃገር ንምምራሕ እውን ከምዝኾነ ገሊፀን፡፡

ፓርቲ ብልፅግና እዚ ከምዘረጋግፅ ርግፀኛ ኢየ ዝበላ ደቂ ኣንስትዮ እተን ምክትል ከንቲባ፥ እዚ ድማ ሓደ ዓውዲ መዐወቲ ምዕባለ ኢዩ ኢለን፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.