Fana: At a Speed of Life!

ዓለም ለኸ መዓልቲ ቱሪዝም ብብርኪ ሃገር ኣብ ከተማ ኣሶሳ ይኽበር ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓለም ለኸ መዓልቲ ቱሪዝም ብብርኪ ሃገር ንመበል 35 ገዘ “ሓዱሽ ሓሳብ ንቱሪዝም” ብዝብል መሪሕ ቃል ኣብ ክልል ቤኒንሻንጉል ጉሙዝ ከተማ ኣሶሳ ይኽበር ኣሎ።

ብዝተፈላለዩ ምድላዋት እናተኸበረ ኣብ ዝርከብ በዓል÷ ሚኒስትር ቱሪዝም ኣምባሳደር ነሲሴ ጫሊ ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ላዕለዎት ኣመራርሓ ፌዴራልን ክልልን ተረኺቦም፡፡

እቲ ዓውዲ ብኮቪድ 19ን ኲናትን ካብ ዝበፅሖ ጉድኣት ከንሳዕርር ዘኽእል ሃገር ለኸ ምንቅስቓስ ቱሪዝም ከምዝጅመር ተሓቢሩ።

ዓለም ለኸ መዓልቲ ቱሪዝም ብብርኪ ሃገር ኣብ ክልል ቤኒንሻንጉል ጉሙዘዝ ምኽባሩ÷ ዓብዩ ግድብ ህዳሳ መባፅሕቲ ቱሪዝም ንምግባር ዝስራሕ ስራሕ ከምኡ እውን መስሕባት ቱሪዝም እቲ ክልል ኣብ ምፍላጥ ኣስተዋፅኦ ከምዘለዎ ተገሊፁ።

ብላምሮት የኔኣለም

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.