Fana: At a Speed of Life!

ዓለም ለኸ መዓልቲ ሃረር ምኽንያት ብንግባር ሲምፖዚየም ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል 26 ዓለም ለኸ መዓልቲ ሃረር ምኽንያት ብንግባር ኣብ ከተማ ሃረሪ “ንሰላምን ምዕባለ ሃገርና ግደ ዳያስፖራ” ብዝብል ሓሳብ ሲምፖዚየም ይካየድ ኣሎ።

ኣብቲ ሲምፖዚየሙ ሚኒስትር ዴኤታ ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ብርቱካን አያኖ፣ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ክልል ሃረሪ ሱልጣን ኣብዱሰላም ሓዊሱ ሚኒስትራት፣ ዲፕሎማሰኛታት፣ ኣምባሳደራት፣ ዳያስፖራታት፣ ዓበይቲ ዓዲ፣ ነበርቲ ከተማ ሃረሪን ካልኦት ዕድመ ዝተገበረሎም ኣጋይሽን እናተሳተፉ ይርከቡ።

ብዋናነት ምስሊ ሃገር ንምህናፅን ዳያስፖራ ብዛዕባ ሃገሩ ዝሐሸ ግንዛበ ዘስፈሐሉን ሲምፖዚየም ከምዝኾነ መራኸቢ ሓፋሽ ሃረሪ ፀብፂቡ።

ኣብቲ ሲምፖዚየም ብክልተ ርእሲታት መፅናዕታዊ ፅሑፋት ቀሪቦም ዘተ ከምዝተገበረሎም እውን ተሓቢሩ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.