Fana: At a Speed of Life!

ዓለም ለኸ መራኸብቲ ሓፋሽ ጁንታ ህወሓት ኣብ ዝውዝዖም ናይ ሓሶት ሓበሬታታት ብምዃን ኣብ ናይ ሓሶት ፀብፃብ ተፀሚደን ከምዝነበራ ኣይተ ደመቀ መኮነን ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ታህሳስ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ዓለም ለኸ መራኸብቲ ሓፋሽ ጁንታ ህወሓት ኣብ ዝውዝዖም ናይ ሓሶት ሓበሬታታት ብምዃን ኣብ ናይ ሓሶት ፀብፃብ ተፀሚደን ከምዝነበራ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ፌዴሪኢ ኣይተ ደመቀ መኮነን ገሊፆም።

ዓለም ለኸ መራኸብቲ ሓፋሽ ኣብ ትግራይ ዝተወሰደ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ትኽክለኛ ገፅታ ንጎድኒ ብምግዳፍ ጁንታ ህወሓት ኣብ ዝውዝዖም ናይ ሓሶት ሓበሬታታት ብምዃን ኣብ ናይ ሓሶት ፀብፃብ ተፀሚደን ከመዝነበራ ኢዮም ኣይተ ደመቀ ገሊፆም።

ኣይተ ደመቀ ሓዱሽ ዓመት ፈረንጂ ምኽኒያት ብምግባር ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ እንኳዕ ደስ በለኩም መልእኽቲ፥ እቲ ተግባር መራኸብቲ ሓፋሽ ትምህርቲ ዝተወሰደሉ ኢዩ ኢሎም።

ብፕሮፓጋንዳ ዝተደገፈ ኣተሓሳስባ ማሕበረሰብ ዓለም ንምልዋጥ ርእሱ ዝኸኣለ ስራሕ ከምዝነበረ እውን ኣብሪሆም።

“እቲ ኩነታት ዓለም ለኸ መራኸብቲ ሓፋሽ ጁንታ ህወሓት ኣብ ዝውዝዖም ናይ ሓሶት ሓበሬታታት ተሸፊነን መንግስቲ ፌዴራል ኣብ ለዕሊ ህዝቢ ትግራይ መጥቃዕቲ የብፅሕ ከምዘሎ ምዝጋበን ዝረኣናሉን ትምህርቲ ዝወሰድናሉን ኢዩ” እውን ኢሎም።

እተን ሚዲያታት ኣብ መሬት ዘሎ ሓቂ ካብ ምድላይ ወፃእ ናይቲ ጁንታ ናይ ሓሶት ወረ ብምምብድባድ እቲ ስጉምቲ ምኽባር ሕጊ እቲ ጉጅለ ንምጥቃዕ እንበር ሕጊ ንምኽባር ኣይኮነን ብምባል ናይ ሓሶት ሓበሬታ ይውዝዓ ከምዝነበራ ኢዮም ገሊፆም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

 

 

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.