ዓለም ለኸ መራኸብቲ ሓፋሽ ኢትዮጵያ ኣመልኪቶም ዘጋውሑዎ ዘለዉ ሓበሬታ ዝተዛበዐን ሚዛናዊነት ዝጎደሎን ከምዝኾነ ተገሊፁ
ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓለም ለኸ መራኸብቲ ሓፋሽ ኢትዮጵያ ኣመልኪቶም ዘጋውሑዎም ሓበሬታታት ዝተዛበዐን ሚዛናዊነት ዝጎደሎን ከምዝኾነ መፃሪዪ ሓበሬታ እዋናዊ ኩነታት ኣፍሊጡ።
መንግስቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ዝጀመሮ ሃገር ናይ ምፍራስ ሽርሒ ንምፍሻል ዜጋታት ሃገሮም ካብቲ ግብረራዕዲ ንኽሕልዉን ናይ ባዕሎም ኣስተዋፅኦን ንኸበርክቱ ፃውዒት ምቕራቡ ይፍለጥ፡፡
ይኹን እምበር ዓለም ለኸ መራኸብቲ ሓፋሽ ዝቐረበ ሃገራዊ ፃውዒት ናይ ባዕሎም ሃገራዊ ልኡኽ ንምዕዋት ብዝተሰሓሓተን ዝተወዘዐን መገዲ እናፈነዉ ከምዝኾኑ ኢቲ መፃረዪ ሓበሬታ ገሊፁ፡፡
መፃሪዪ ሓበሬታ እዋናዊ ኩነታት ነቲ ጉዳይ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ፥ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንልዕሊ 100 ሚሊየን ዝኾኑ ዜጋታት ዘመሓላለፎ ፃውዒት ምኽባር ሉኣላዊነት ሃገር እተን መራኸቢ ሓፋሽ ነተኸተልቶም ብዝተወዘዐን ሚዛናዊነት ብዝጎደሎ መልክዑን ከማዘጋወሑ ኣብሪሁ፡፡
ብፍላይ ብሉምበርግ፣ ፣ ኣልጀዚራ ፣ ዘ ጋርዲያን፣ ቢቢሲ፣ ዋሽንግተን ፖስት፣ ሮይተርስ ፣ ፋይናንሺል ታይምስ፣ ዎል ስትሪት ጆርናልን ኣጃንስ ፍራንስ ፕሬስን እቲ መግለፂ ብዝተወዘዐ መልክዑ ምፅብፃቦም ገሊፁ፡፡
ብኻሊእ መዳይ እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ዜጋታት እናፈፀሞ ዝርከብ ጭፍጨፋን መቕተልቲን ሱቕታ ምምራፆም ዕላመኦም፥ ብግልፂ ዘርኢ ከምዝኾነ ኣገንዚቡ፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።