Fana: At a Speed of Life!

ውፅኢት መልቀቒ ፈተና 2015 ዓ.ም 12 ክፍሊ ዕላዊ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ውፅኢት መልቀቒ ፈተና 2015 ዓ.ም 12 ክፍሊ ዕላዊ ኮይኑ።

ሚኒስትር ትምህርቲ ብርሃኑ ነጋ (ፕ/ር)÷ውፅኢት መልቀቒ ፈተና 2015 ዓ.ም 12 ክፍሊ ኣመልኪቶመረ መግለፂ ሂቦም፡፡

ኣብ መግለፂም ድማ እቲ ፈተና 50 ሚኢታዊን ልዕሊኡን ውፅኢት ኣብ ምምዝጋብ መሕለፊ ነጥቢ ዘምፅኡ ተምሃሮ 27 ሺሕን 267 ወይ ድማ 3 ነጥቢ 2 ሚኢታዊ ጥራሕ ከምዝኾኑ ተዛሪቦም፡፡

ልዑል ውፅኢት ካብ ተፈጥሮ ሳይንስ 649 ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ እንትምዝገብ÷ ኣብ ማሕበራዊ ሳይንስ ድማ 533 ኣብ ከተማ ደብረ ማርቆስ ተመዝጊቡ፡፡

ሓሙሽተ ኣቢያተ ትምህርቲ ዝፈተነኦም ተምሃሮ ብሙሉኦም ከምዝሓለፉ እቶም ሚኒስትር ገሊፆም፡፡

መምርሒን ደምቢን ፈተና ብምጥሓስ ብውልቀ 483 ተምሃሮ ከምኡ እውን ብጉጅለ 376 ተምሃሮ ከምዝተቐፅዑ ኣብሪሆም፡፡

ውፅኢት መልቀቒ ፈተና 2015 ዓ.ም 12 ክፍሊ ምስ ዝሓለፈ ዓመት ውፅኢት እንትነፃፀር መሰረታዊ ለውጢ ዘይብሉ ከምዝኾነ እውን ገሊፆም፡፡

ውፅኢት መልቀቒ ፈተና 12 ክፍሊ ዝወሰዱ ተምሃሮ ካብ ፅባሕ ንጉሆ ሰዓት 12 ጀሚሮም ውፅኢቶም ክሪኡ ከምዝኽእሉ ተገሊፁ።

ብመላኩ ገድፍ

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.