Fana: At a Speed of Life!

ውፅኢት ሃገር ለኸ ፈተና 12 ክፍሊ ዝመፅእ ሰኑይ ዕላዊ ከምዝኸውን ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጳጉሜን፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ውፅኢት ሃገር ለኸ ፈተና 12 ክፍሊ ዘበነ ትምህርቲ 2016 ዓ.ም ዝመፅእ ሰኑይ ዕላዊ ከምዝኸውን ሚኒስቴር ትምህርቲ ኣፍሊጡ።

ኣብ መላእ ሃገር መልቀቂ ፈተና 12 ክፍሊ ንምውሳድ ካብ ሞንጎ ዝተመዝገቡ 701 ሺሕን 749 ተምሃሮ 97 ነጥቢ 5 ሚኢታዊ ወይ እውን 684 ሺሕን 205 ዝኾኑ ፈተና ከምዝወሰዱ ይፍለጥ።

ካብ ሞንጎ እዚኣቶም ድማ 29 ሺሕን 718 ተምሃሮ ብመርበብ ሓበሬታ (ኦንላይን) ዝተፈተኑ ኢዮም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.