Fana: At a Speed of Life!

ውጥጥ ቻይናን ኣሜሪካን ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ዝበለፀ ኢኮኖሚያዊ ቅልውላው ከስዕብ ከምዝኽእል ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ጉዳይ ታይዋን ዝተጀመረ ውጥጥ ቻይናን ኣሜሪካን ንምብራቕ ኣፍሪካ ዝበለፀ ኢኮኖሚያዊ ቅልውላው ከእትዎ ከምዝኽእል ተገሊፁ።

ካብ ህፁፅ ኣዋጅ ኮቪድ-19 ንምድሓን እናተቃለሰት ትርከብ ኣፍሪካ ብምኅንያት ጎንፂ ሩሲያ ዩክሬን ኣብ ዋጋ መሰረታዊ ሸቐጣት ናህሪ ከምዘጋጠመ ይፍለጥ።

ቻይናን ኣሜሪካ ኣብ ጉዳይ ታይዋን ናብ ካሊእ ውጥጥ ምእታወን ድማ ብምኽንያት ተናሓናሕቲ ሃገራት እተን ሃገራት ሓዊሱ ምዕራባውያን ኣብ ኣፍሪካ ኣድህቦ ንገድፉ ክገብሮም ከምዝኽእል ዘ ኢስት ኣፍሪካ ፅሒፉ፡፡

ቻይና ሸቐጣት ታይዋን ክእግድ እየ ምባላ ድማ ብፍላይ ካብ ታይዋን ብወፃኢ ንግዲ ዝወፅኡ ክፋል ኣመሓላለፍቲ ፍርያታት ኤሌክትሮኒክስ ልዑል ናህሪ ዋጋ ከስዕብ ከምዝኽል እውን ፀብፂቡ፡፡

ታይዋን ኣብ ዓለም ልዑል ሕፅረት ኣለ ዝበሃለሉን ኣዚዩ ኣድላዪ ዝኾነን ምርያት “ሴሚኮንዳክተር ቺፕ” ዝዓበየ እተፍሪ ሃገር ሃገር ኢያ፡፡

ቻይና ድማ ታይዋን ግዝኣተይ ኢያ ብዝብል ንምምላስ ወታደራዊ ስጉምቲታት ምውሳድ ጀሚራ ትርከብ።

ኣሜሪካ ብወገና ታይዋን ንምንታይ ትጥቃዕ ብዝብል ኣብ ልዕሊ ቻይና ወታደራዊ ስጉምቲ ክትወስድ ከምትኽእል ጆ ባይደን ኣጠንቂቖም ምንባሮም ይዝከር፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.