Fana: At a Speed of Life!

ውድድር ፍፃመ ቋንቋ ቻይንኛ “ቻይኒዝ ብሪጅ” ኢትዮጵያ ተኻይዱ

ኣዲስ አበባ፣ 28 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቋንቋን ባህሊን ቻይና ብብርኪ ዓለም ንምፍላጥ ተሓሲቡ ዝካየድ መበል 23 ዙር ውድድር ፍፃመ ቋንቋ ቻይንኛ “ቻይኒዝ ብሪጅ” ኢትዮጵያ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተኻይዱ፡፡

ኣብ ሞንጎ ላዕለዎት 2ይ ብርኪን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲን ተምሃሮ 11 ተወዳደርቲ ብምስታፍ ዝተኻየደ ውድድር ቋንቋ ብዓወት ዓብዱላፊዝ ከድርን ኣለሙ ስዩምን ተዛዚሙ፡፡

ተዓወትቲ ኣብ ቻይና ንዝካየድ ዓለም ለኸ ውድድር ቋንቋ “ቻይኒዝ ብሪጅ” ከምዝሳተፉ ተገሊፁ፡፡

ብሃይማኖት ኢያሱ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.