Fana: At a Speed of Life!

ውድድር ፋና ላምሮት ምዕራፍ 18 ዕለተ ቀዳም ክዛዘም ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ንዝሓለፉ 10 ኣዋርሕ ብዝነኣድ መገዲ ክካየድ ዝፀንሐ ውድድር ፋና ላምሮት ምዕራፍ 18 ዕለተ ቀዳም ክዛዘም ኢዩ።
ናብ ናይ መዛዘሚ ምዕራፍ ዝበፅሑ፥ ማዕረግ ሃይሉ፣ እየሩሳሌም ኣሰፋ፣ ግሩም ነብዩን እዮቤል ፀጋዬን ኣብ ሰለስተ ዙር ዝሓረይዎም ሙዚቃታት ኣብቲ ዕለት ምስ ባንድ ዛየን ከቕርቡ ኢዮም።
ብድሙቕ ስነ ስርዓት ኣብ ዝሳለጥ እቲ መዛዘሚ ውድድር፥ ፋና ቴሌቭዥን 1 ሚሊየን ብር ሽልማት ኣዳሊዩ ኣሎ።
እቲ ሽልማት፥ ብር 400 ሺሕ፣ ብር 300 ሺሕ፣ ብር 200 ሺሕ ከምኡውን ብር 100 ሽሕ ካብ ቀዳማይ ክሳብ ራብዓይ ነዝወፅኡ ብቕደም ሰዓብ ክወሃቦም ኢዩ።
ዕለተ ቀዳም ዝካየድ መዛዘሚ ውድድር፥ ብኽልቲኦም ቻናላት ፋና ቴሌቭዥን፣ ፋና ኤፍኤም 98.1ን ክልል ኤፍኤማትን ከምኡ ’ውን ብፋና ፌስቡክን ቴሌግራምን ገፃታትና ካብ ሰዓት 6፡00 ቀትሪ ጀሚሩ ብቐጥታ ፈነወ ክመሓላለፍ ኢዩ።
እቲ ብቐጥታ ፈነወ ዝመሓላለፍ ውድድር፥ ብምክትታልን ኣብቲ ዕለት ብዝግለፅ ኮድ ተወዳደርቲ ሓፂር መልእኽቲ ፅሑፍ ብ8222 ብምልኣኽን እናተሃደስኩም ንክትድግፉ ንእንግድ።
ብለምለም ዮሐንስ
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.