Fana: At a Speed of Life!

ውድድር ፋና ላምሮት ምዕራፍ 17 ፅባሕ ሓደሽቲ ነገራት ብምውሳኽ ክጅመር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ውድድር ፋና ላምሮት ምዕራፍ 17 ፅባሕ ሰዓት 6 ቀትሪ ሓደሽቲ ነገራት ብምውሳኽ ብቐጥታ ፈነወ ክጅመር ኢዩ።

እቲ ውድድር 16 ተወዳደርቲ ብምሓዝ ኣብ ከልተ ምድብ ተኸፊሎም ን13 ሰሙናት ክወዳደሩ ኢዮም።

ኣብ ቀዳማይ ዙር፥ ናሆም ነጋሽ፣ ጴጥሮስ ማስረሻ፣ ፀጋሰጠኝ ሰይፉ፣ ኤርሚያስ ዳኛቸው፣ ትዕግስት ኣንተነህ፣ ጌታነው ስመኘው፣ ዘላለም ፀጋዬን ዝንታለም ባየህን ክሳተፉ ኢዮም።

ብሞያተኛታት ሙዚቃን ተመልከትቲን ናይ ፅሑፍ መልእኽቲ(ኤስ ኤም ኤስ) ዝዳነ ውድድር ድምፃዊያን ፋና ላምሮት ብፋና ቴሌቭዥን፣ ፋና ፌስቡክን ቴሌግራም ገፅናን ሓዊሱ ብ www.fanabc.com ብቐጥታ ፈነወ ክከታተሉ/ላ ተዓዲሞም/መን ኣለዉ/ዋ።

ብተወሳኺ ብ8222 መልእኽቲ ሓፂር ፅሑፍ ናይ ተወዳደርቲ ኮድ በምልኣኽ እናተሃደስኩም ደግፉ።

ብለምለም ዮሐንስ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.