Fana: At a Speed of Life!

ውድድር ጉያ ጎደና 10 ኪሎ ሜትሮ “መቻል ንኢትዮጵያ” 10 ኪሎ ሜትሮ ዝቕፅል ሰንበት ክካየድ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ውድድር ጉያ ጎደና 10 ኪሎ ሜትሮ “መቻል ንኢትዮጵያ” 10 ኪሎ ሜትሮ ዝቕፅል ሰንበት 23 ሰነ 2016 ዓ.ም ከምዝካየድ ተገሊፁ፡፡

እቲ ውድድር ጉያ ጎደና÷ መበል 80 ዓመት በዓል ምስረታ ጋንታ ስፖርት መቻል ምኽንያት ብምጋብር ኢዩ ዝካየድ፡፡

መበገሲኡን መዛዘሚኢን መስቀል ኣዳባባይ ኣብ ዝገብር ውድድር ጉያ÷ ብዙሓት ሰባት ክሳተፉ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ፡፡

በዚ ድማ ኣትሌታት፣ ደገፍቲ መቻልን ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብን ከምዝሳተፉ ጉጅለ ኦንላይን ሚዲያ ሰራዊት ምክልኻል ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣፍሊጡ፡፡

እቲ ውድድር ጉያ÷ መቻል ኣብ ዝሓለፉ 80 ዓመታት ንኢትዮጵያ ዘበርከቶ ኣስተዋፅኦ ንምውዳስን እታ ጋንታ ንምብርትታዕን ዝዓለመ ኢዩ ተባሂሉ፡፡

ካብ 10 ኪሎ ሜትሮ ጉያ ጎደና ብተወሳኺ፤ ክብረ በዓል “መቻል ን ኢትዮጵያ” ብዝተፈላለዩ ምድላዋት እናተኸበረ ይርከብ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.