Fana: At a Speed of Life!

ውድድር ናይ ተዓወትቲ ተዓዋታይ ፋና ላምሮት ፅባሕ ክጅምር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሃንቀውታ ትፅቢት እናተገበረሉ ዝነበረ ምዕራፍ 12 ውድድር ናይ ተዓወትቲ ተዓዋታይ ፋና ላምሮት ፅባሕ ክጅምር ኢዩ።

ተዓወትቲ ውድድር ምዕራፍ ምዕራፍ 9፣ ምዕራፍ 10ን ምዕራፍ 11ን ዝሳተፉሉ እቲ ውድድር÷ 14 ተወዳደርቲ ኣብ ክልተ ምድብ ተደልዲሎም ከምዝወዳደሩ ተገሊፁ፡፡

ኣብ ናይ ፅባሕ ፈላማይ ሰሙን ምድብ ሓደ ሸውዓተ ተወዳደርቲ፤ ዳንኤል ኣዱኛ፣ ኤደን ገ/ትንሳኤ፣ ኣሉላ ገ/ኣምላክ፣ ኣቤል ታረቀኝ፣ ዘላለም ታደሰ፣ ዮርዳኖስ ደስይበለውን ገረመው ገ/ጻዲቅ ተሳታፊ ድምፃውያን እንትኾኑ÷ ብክልተ ዙር ስረሖም ከቕርቡ ኢዮም።

በሰብ ሞያ ሙዚቃን ብሓፂር ናይ ፅሑፍ መልእኽቲ ተመልከትቲን ዝዳነ ውድድር ድምፃውያን ፋና ላምሮት÷ ፅባሕ ቀዳም እንትጅምር ተመልከትቲ ብስልኮም ብዘይገደብ መልእኽቲ ብምልኣኽ ንኽሳተፉ ፃውዒት ቀሪቡ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.