Fana: At a Speed of Life!

ውድድር ምዝዛም ናይ ተዓወትቲ ተዓዋታይ ፋና ላምሮት ብድሙቕ ስነ ስርዓት ተሳሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 መስከረም፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ውድድር ምዝዛም ናይ ተዓወትቲ ተዓዋታይ ፋና ላምሮት ብድሙቕ ስነ ስርዓት ተሳሊጡ።

ኣብቲ ውድድር ድምጻዊ ኣሕመድ ሑሴን ቀዳማይ ብምውፃእ  ተዓዋታይ 1 ሚሊየን ብር ኮይኑ፡፡

ህቡብ ኣወሃሃዲ ካሙዙ ካሳ ህያብ ክብሪን ኣፍልጦን ፋና ዓቲሩ።

ኣብ 2013 ዓ.ም ብ4 ምዕራፋት እንትካየድ ዝነበረ ፋና ላምሮት ውድድር ፍሉይ ተውህቦ ድምፃእያን ሎሚ ተዛዚሙ።

ልዕሊ 6 ሺሕ ድምፃውያን ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ ኣብ ዘለውሉ ብምዃን ናሙና ድምፂ ብምልኣኽን ብኣካል ብምርካብን ውድድር ምፅራይ ኣካይዶም።

ካብቶም ተወዳደርቲ ዝሓለፉ 36 ድምጻውያን ኣብ ውድድር ምዕራፋት እቲ ዓመት ክነሓንሑ ፀኒሖም ኢዮም።

ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣይተ ኣድማሱ ዳምጠው ÷ ፋና ላምሮት በቢግዜኡ ካብ ዘሸልሞ ብር ንላዕሊ ናየ ሚሊየናት ተመልከትቲ ቀልቢ ምርካብ ንተወዳደርቲ ዓብዪ ሽልማት ኢዩ ኢሎም።

ዕላማ ፋና ላምሮት ሰብውህብቶ ንህዝቢ ብምላጥ ንህዝቢን ሃገርን ዝሰርሑሉ እወንታዊ ኣጋጣሚ ምፍጣእ ከምዝኾነ ገሊፆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.