Fana: At a Speed of Life!

ውድብ ጥዕና ዓለም “ናውቲ ሕክምና ናብ ትግራይ ንከየብፅሕ ብመንግስቲ ተኸልኪለ” ምባሉ ፍፁም ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ኢዩ-መንግስቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ውድብ ጥዕና ዓለም “ናውቲ ሕክምና ናብ ተግራይ ንከየብፅሕ ብመንግስቲ ተኸልኪለ” ምባሉ ፍፁም ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ኢዩ ክብል ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ገሊፁ።

ዋና ዳይሬክተር እቲ ትካል ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፥ ናይቲ ትካል መትከላትን ክብሪታትን ዝጠሓሰ ኣካይዳ ይኽተሉ ምህላዎም እውን ገሊፁ።

ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፥ ኣብ ስዊዘርላንድ ጀኔቭ ትማሊ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ “መንግስቲ ናውቲ ሕክምና ናብ ትግራይ ንከይኣቲ ከልኪሉ” ብምባል ስኑዕ ሓበሬታ ሂቦም ኢሉ።

“ኣብ ትግራይ ዝነብሩ ብዙሓት ዜጋታት ኣገልግሎት ሕክምና ንከይረኽቡ ተገይሩ” ብምባል ተዛሪቦም ኢሉ።

ይኹን እንበር እቲ መግለፂ ካብ ሓቂ ዝረሓቐን መንግስቲ ብስኑዕ ሓበሬታን ብዘይግቡእ መልክዑን ዝወንጀለ ከምዝኾነ ሚኒስትር ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ዶክተር ለገሰ ቱሉ ገሊፆም።

ዕጡቓት ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ክልል ዓፋር ወራር ብምፍፃሞምን መገዲ ብምዕፃው ናውቲታት ሕክምናን ካልኦት ሓገዛትን ናብ ተግራይ ንከይበፅሕ ይገብሩ ከምዘለዉ እናፈለጡ እቶም ዳይሬክተር ንመንግሲ ተወቃሲ ምግባሮም ትኽክል ኣይኮነን ኢሎም።

ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኮሪደራን መተሓላለፊ ረድኤት ምዕፃዉ ስዒቡ ብኣውሮፕላናት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ሰሙን ልዕሊ ሰለስተ ግዜ  ናብ ትግራይ ሓገዝ ይጎዓዓዝ ከምዘሎ አወን ሓቢሮም።

ስለዝኾነ ውድብ ጥዕና ዓለም ሓዊሱ ካልኦት ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ናብ ትግራይ ናውቲ ሕክምና ንከይበፅሕ ዝገብር ዘሎ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ከምዝኾነ ብትኽከል ምግንዛብ ኣለዎም ኢሎም እቶም ሚኒስትር።

በዚ መዳይ ውድብ ጥዕና ዓለም ንግብረ ራዕዲ ህወሓት ብግልፂ ከውግዝ ይግባእ ምባሎም ግዜኢ ፀብፂቡ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.