Fana: At a Speed of Life!

ውድብ ጥዕና ዓለም በዲዶ-ህበይ ህፁፅ ዓለማዊ ስግኣት ምዃኑ ኣዊጁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ገለ ክፋል ኣፍሪካ ዝረአ ዘሎ ለበዳ በዲዶ-ህበይ (ኤምፖክስ – ‘mpox’) ዓለማዊ ቆላሕታ ዝጠልብ ህፁፅ ስግኣት ጥዕና ክብል ኣዊጁ።

እቲ ቅድም ክብል ብ ‘ማንኪ ፖክስ’ ዝፍለጥ ዝነበረ ኣዝዩ ተላባዒ ሕማም፥ ኣብ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጐ ኣብ ዝነበረ ናይ መጀመርታ ለበዳ ብውሕዱ 450 ሰባት ቀቲሉ።

ሐዚ ድማ ኣብ ገለ ክፋል ማእከላይን ምብራቕን ኣፍሪካ ተዘርጊሑ ኣሎ።

ስለዝኾነ ተለዋዋጢ ዓይነታት እቲ ሕማም ብቕልጡፍ ይዝርጋሕ ምህላዉን ብሰንኩ ዘጋጥም ልዑል መጠን ሞትን ንተመራመርቲ ከምዘሻቐሎም ተገሊፁ።

ዋና ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፥ ኣብ ውሽጢ ኣፍሪካን ካብኣ ወፃእን ዝያዳ ናይ ምልባዕ ተኽእሎኡ ኣዝዩ ዘተሓሳስብ’ዩ ኢሎም።

“ነዚ ለበዳ ደው ንምባልን ህይወት ንምድሓንን ዝተዋደደ ዓለምለኻዊ ምርብራብ ኣገዳሲ’ዩ” ክብሉ እውን ኣተሓሳሲቦም።

በዲዶ-ህበይ ብኸም ፆታዊ ርክብ፣ ቆርበት ናብ ቆርበት ምንኽኻእ ዝበሉ ቀጥታዊ ምትንኻፍ ከምኡ’ውን ምስ ሰባት ተቐራሪብካ ብምዝርራብ ወይ ምስትንፋስ ይመሓላለፍ ክብል ቢቢሲ ፀብፂቡ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.