Fana: At a Speed of Life!

ውዙዕ ሓበሬታ ኣብ ዘጋውሑ ትካላት ሚዲያ ዝውሰድ ስጉምቲ እርማት ተጠናኺሩ ክቕፅል ኢዩ – ኣይተ መሓመድ እድሪስ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)በዓል መዚ መራኸብቲ ሓፋሽ ኢትዮጵያ ዘንበሮም ሕደ ደምቢታትን ስነ-ምግባር ሞያን ብምጥሓስ ውዙዕ ሓበሬታ ኣብ ዘጋውሑ ትካላት ሚዲያ ዝውሰድ ስጉምቲ እርማት ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ዋና ዳይሬክተር እቲ በዓል መዚ ኣይተ መሓመድ እድሪስ ኣፍሊጦም።

ብዝተፈላለዩ ዓለም ለኸ ቋንቋታት ንማሕበረሰብ ዓለም ተበፃሒ ዝኸውን ሚዲያ ስለዘየለ፥ ዓለም ኢትዮጵያ ዝሓዘቶ ሓቂ ከይግንዘብ ከምዝገበረ እውን ገሊፆም።

ኣይተ መሓመድ እድሪስ ምስ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝገበሩዎ ፃንሒት ከምዝገለፁዎ፥ ሓደሓደ ምዕራባውያን መራኸብቲ ሓፋሽ ወፍሪ ህልውና ኣመልኪቶም ብዛዕባ ኢትዮጵያ ዝተዛብዑ ፀብፃባት እናጋውሑ ፀኒሖም ኢዮም፡፡

እቶም መራኸብቲ ሓፋሽ ዘጋውሑዎ ፀብጻብ ውዙዕን ካብ ሓቂ ዝረሓቐን ከምዝኾነ ዝገለፁ እቶም ዋና ዳይሬክተር፥ ፖለቲካዊ ድሌቶም ንምምላእ ብዝተዋደደ መልክዑ ናይ ሐሶት ፀብፃባት እናጋውሑ ከምዝፀንሑ ኣብሪሆም፡፡

ንሶም ዝመርሑዎ ቤት ዕዮ በዓል መዚ መራኸብቲ ሓፋሽ ኢትዮጵያ ዘንበሮም ሕደ ደምቢታትን ስነ-ምግባር ሞያን ዝጠሓሱ ምዕራባውያን መራኸብቲ ሓፋሽ ናይ መጠንቀቕታ ደብዳበ ከምዝተፀሓፈ ብምሕባር፥ ኣብ ቀፃሊ እውን ውዙዕ ሓበሬታ ኣብ ምግዋሕ ዝተዋፈሩ ትካላት ሚዲያ ዝውሰድ ስጉምቲ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣፍሊጦም።

ኣብ ውሽጢ ዓዲን ወፃኢን ዝነብሩ ኢትዮጵያያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያንን ኣብ ጉዳይ ሃገሮም ዝተሰሓሓተ ሓበሬታ ኣብ ዝሰምዑሉ እዋን ክቃወሙን ሓቂ ናይ ምፍላጥ ስራሕ ብምትሕብባር ክሰርሑን ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም፡፡

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.