Fana: At a Speed of Life!

ውዕሊ ፕሪቶርያ ሙሉእ ብሙሉእ ንክትግበር ይስራሕ ኣሎ-ኣይተ ጌታቸው ረዳ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ) ርእሰ ምምሕዳር ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ምስ ኣምባሳደር እንግሊዝ ኣብ ኢትዮጵያ ዳረን ዊልች ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ውዕሊ ፕሪቶርያ ሙሉእ ብሙሉእ ንክትግበር ይስራሕ ኣሎ ኢሎም።

ኣብቲ ዘተ ትግበራ ውዕሊ ፕሪቶርያ ዘለዎ ብርኪ ኣፈፃፅማ ጠመተ ዝገበረ ተገሊፁ።

ብተወሳኺ ምትካል እግሪ(DDR)  ነበር ኣባላት ተዋጋእቲ ብዝምልከት እውን ተዛቲዮም።

ኣይተ ጌታቸው ምስ መንግስቲ ፌዴራል ጥቡቕን ፅቡቕን ዝብሃል ርክብ ከምዘሎ ኣብቲ ዘተ ኣብሪሆም።

ብመሰረት ውዕሊ ፕሪቶርያ ዝፍፀሙ ዘለው ስራሕቲ እናጠናኸርና ንኸይድ ኣለና ዝበሉ ኣይተ ጌታቸው፥ ኣብቶም ዘይተፈፀሙ ድማ ብምዝታይ እቲ ውዕል ስምምዕነት ሙሉእ ብሙሉእ ንክትገብር ይስራሕ ከምዝሎ ኣብሪሆም።

ኣምባሳደር ዳረን ዊልች ብግደኦም፥ ትግራይ ናብ ንቡርን ዝሐሽ ብርክን ንምብፃሕ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ መንግስቶም ከምዝሕግዝ ገሊፆም።

ነበር ኣባላት ተዋጋእቲ እግሪ ንምትካልን ናብ ስሩዑ ናብራ ንክምለሱን ሓገዝና ክነጠናኽር ኢና ኢሎም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.