Fana: At a Speed of Life!

ውሳነታት ጉባኤ ኮፕ29 ጉባዔ ንቅልውላው ክሌማዊ ለውጢ ምላሽ ክህቡ ይኾኑ ዶ?

ኣዲ ኣበባ፣ 2 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)መሬት ክሌማዊ ለውጢ ኣየር ብዘስዕቦ ፅዕንቶ ኣብ ቅልውላው ካብ ትኣቱ ውዒላ ሓዲራ ኣላ።

ዝተናወሐ ድርቂ፣ ካብ መጠን ዝሓለፈ ዝናብ፣ ውሕጅ፣ ሁቦብላ ዝተሓወሶ ኣውሎ ንፋስ ብተደጋጋሚ እናጋጠሙ ምዝባሕ ስነ-ህይወት መሬት ዝተለመደ ኮይኑ ይርከብ።

እዚ ፀገም ንምፍታሕ ኣብ ክሌማዊ ለውጢ ዝዝቲ ጉባኤ ውድብ ሕቡራት መንግስታት (ውሕመ) (ኮፕ 29) ኣብ ኣዘርባጃን ከተማ ባኩ ምክያድ ዝጀመረ እንትኸውን፤ እቲ ጉባኤ ክሌማዊ ለውጢ ኣመልኪቱ ዝግበር ሓገዝ ገንዘብን መሰል ጉዳያትን ትኹረት ክገብር ኢዩ ተባሂሉ ተኣሚኑሉ ኣሎ።

ዋና ፈፃሚ ስራሕ ትንታነ ንብረት ኣየር ዝኾኑ ቢል ሃሬ፥ ዕጫ መሬት ኣብ ዝቕፅሉ ሓሙሽተን 10 ዓመታት ኣብ ጉባኤ ኮፕ29ን ብብርኪ ሃገር ብዝውሰድ ስጉምቲ ዝተመስረተ ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡

ክሌማዊ ለውጢ ንምልማድን እቲ ፀገም ንምፍታሕን ኣብ ምዕባይ ዝርከባ ሃገራት ንምድጋፍ ትሪሊየን ዶላር ከምዘድሊ ሓቢሮም፡፡

ብመንፅር ኢኮኖሚያዊ ጉድኣት ጥርሕ እንትረአ ህፁፅ መፍትሒ እንተዘይተወሲዱ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ዝበፅሕ ጉድኣት ካብ ብዙሕ ትሪሊየን ዶላር ዝበለፀ ኢዩ ክብሉ ኣጠንቂቖም፡፡

ኣፍሪካ ኒውስ ኣብ ፀብፃቡ ከምዝሓሮ ኣብዚ ሕዚ እዋን ዝዓበየ ፈተና ኣብ ምዕባይ ንዝርከባ ሃገራት ዝኸውን ሓገዝ ምርካብ እንትኸውን፥ ብዓመት ዝምደብ 100 ቢሊየን ዶላር እኹል ከምዘይኮነ ዝካትዑ ሰብ ሞያ እቲ ዓውዲ፤ እቲ ዓመታዊ በጀት 1 ትሪሊየን ዶላር ክኸውን ኣለዎ ብምባል ይካትዑ፡፡

ኣብ ኣዘርባጃን ባኩ ዝካየድ ኮፕ29 ነዚን ንካልኦት ተዛመድቲ ጉዳያትን ምላሽ ክህብ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ከምዘሎ ተሓቢሩ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.