Fana: At a Speed of Life!

ውሱናት ምዕራባዊያን ሃገራት ኢትዮጵያ ንከይትረጋጋዕ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ምድሓን ስራሕ ተፀሚደን ኣለዋ-ላውረንስ ፍሪማን

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ውሱናት ምዕራባዊያን ሃገራት ኢትዮጵያ ንከይትረጋጋዕ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ምድሓን ስራሕ ተፀሚደን ኣለዋ ክብሉ ኣሜሪካዊ ተንታኒ ፖለቲካን ኢኮኖሚን ላውረንስ ፍሪማን ተዛሪቡ።

ኢትዮጵያ ዘለዋ ዕዉት ፖሊሲን ዓቕሚ ምልማዕን ዝብገስ ምስ ውሱናት መዕራባዊያን ሃገራትን ትካላትን ተደጋገምቲ ፅዕንቶታት ይበፅሕ ከምዘሎ ተገሊፁ።

ኣሜሪካዊ ተንታኒ ፖለቲካን ኢኮኖሚን ላውረንስ ፍሪማን ምስ ግዜኢ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት፥ ውሱናት ምዕራባዊያን ሃገራት ኣፍሪካ ንምቁፅፃርን ከምድልየቶም ንምእዛዝን ዘለዎም ድልየት ልዑል ኢዩ ኢሎም።

ኣብታ ኣህጉር ጠንካራ መንግስቲን ሃገርን ንከይህሉ ይሰርሑ ከምዘለዉ በምሕባር፥ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዘሎ ጎንፂ በምብእኣስ ድኽምቲ ሃገር ናይ ምፍጣር ትልሚ ብምሓዝ ይሰርሑ ከምዘለዉ ተዛሪቦም።

መንግስቲ ኣብ ቀረባ እዋን ሉእላውነት ሃገር ንምፅናዕ ኣብ ትግራይ ቁልፊ ዝኾና ከተማታት ይቆፃፀር ምህላዉ እተን ምዕራባዊያን ኣብ ልዕሊ ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ፣ ትካላትን መራኸብቲ ሓፋሽን ፅዕንቶ የሕድሩ ከምዘለዉ ገሊፆም።

እቲ ፅዕንቶ ንዕዖም ዝለኣኣኽ መነግሰቲ ንምፍጣር ካብ ዘለዎም ናይ ነዊሕ እዋን ትልሚ ዝቕዳሕ ኢዩ እውን ኢሎም።

ዋና ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዳይሬክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ዝተውሃቦም ዓለም ለኻዊ ሓላፍነት ንጎኒ በምግዳፍ ንግብረ ራዕዲ ህወሓት ደገፍ እንትገብሩ እቶም ምዕራባዊያን ብስቅታ ዝሓልፍዎ ብድሕሪት ሕቡእ ድልየት ስለዘለዎም ኢዩ ኢሎም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.