ውሕመ ኣብ ጋዛ ህፁፅ ደው ምባል ተዂሲ ንክግበር ውሳነ ኣመሓላሊፉ
ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ውድብ ሕቡራት መንግስታት(ውሕመ) ኣብ ጋዛ ህፁፅ ደው ምባል ተዂሲ ንክግበርን ዝተዓገቱ ዜጋታ|ት ብዘይ ቅድመ ኩነት ንክፍትሑን ውሳነ ሓሳብ ኣመሓላሊፉ።
እቲ ውሳነ ሓሳብ ብ158 ድጋፍን 13 ድምፀ ተኣቅቦን ዝተወሰነ እንትኸውን፥ ኣብ ጋዛ ዝነብሩ ፍሊስጤማዊያን ህፁፅ ሰብኣዊ ሓገዝ ንክበፅሖም ሓቲቱ።
ኣሜሪካን እስራኤልን ነቲ ውሳነ ሓሳብ ከመዝተቓወምኡ ዝፀብፀበ ፍራንስ 24፥ ኣብ መንጎ እስራኤለን ሃማስን ዝተፈጠረ ኲናት ስዒቡ ብተደጋጋሚ ዝቐረቡ ውሳነ ሓሳባት ናብ ቤት ምኽሪ ፀፅታ ንከይሓልፍ ክገብራ ከምዝፀንሓ ሓቢሩ።