Fana: At a Speed of Life!

ውሕመ ኣብ ጉዳይ እስራኤልን ፍልስጤምን ህፁፅ ኣኼብኡ ከካይድ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ጥቅምት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሓፈሻዊ ጉባኤ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ጎንፂ እስራኤልን ፍልስጤምን ኣመልኪቱ መበል 10 ህፁፅ ፍሉይ ኣኼባ ከምዘካይድ ፕሬዚዳንት እቲ ጉባኤ ዴኒስ ፍራንሲስ ኣፍሊጦም።

ኣቦ መንበር ጉጅለ ዓረብን ኣቦ መንበር ትካል እስላማዊ ምትሕብባርን ዝኾኑ ኣምባሳደር ዮርዳኖስ ኣብ ውሕመ ማሃሙድ ሁሙድን ኣምባሳደር ሞሪታንያ ኣብ ውሕመ ሲዲ መሃመድ ላግዳፍን ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 19 ጥቅምቲ ኣብ ዝፀሓፉዎ ደብዳበ ብዝተኽኣለ ቅልጣፈ 10ይ ህፁፅ ፍሉይ ኣኼባ ንኽጅመር ምሕታቶም እቶም ፕሬዚዳንት ንጉጅለ ልኡኻት ኣብ ዝፀሓፉዎ ደብዳበ ገሊፆም፡፡

ተወከልቲ ሃገራት ኒካራጓ፣ ሩሲያን ሶሪያን ከምኡ እውን ተወከልቲ ባንግላዴሽ፣ ካምቦዲያ፣ ኢንዶኔዥያ፣ ላኦስ፣ ማሌዥያ፣ ማልዲቭስ፣ ቲሞር-ሌስቴ፣ ቬትናምን ብሩኒን ተመሳሳሊ መልእኽቲ ዝሓዘ ደብዳበ ከምዝበፅሖም እውን ፀሪሖም።

በዚ ድማ መበል 39 ምልኣተ ጉባኤ 10ይ ሓፈሻዊ ጉባኤ ህፁፅ ፍሉይ ኣኼባ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ን26 ጥቅምቲ ከምዝፀውዑ ሲ ጂ ቲ ኤን ፀብፂቡ።

ውሕመ 10ይ ህፁፅ ፍሉይ ኣኼቡኡ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 1997 ንፈለማ እዋን ዝገበረ እንትኸውን፥ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2018 ድማ ንመወዳእታ ግዘ ኣካይዱ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.